ሚኒስተር ፋይናንስ ዚምባብወ፣ ብዛዕባ ቤተሰብ ፕረዚደንት ሙጋቤ ዝገዝኡዎ ክቡር ንብረት ዝፈልጦ የብለይን ይብል

ሚኒስተር ፋይናንስ ዚምባብወ፣ ብዛዕባ ቤተሰብ ፕረዚደንት ሙጋቤ ዝገዝኡዎ ክቡር ንብረት ዝፈልጦ የብለይን ይብል

Radio Erena: 24 September 2017

grace_roysሚኒስተር ፋይናንስ ዚምባብወ፣ ብዛዕባ ቤተሰብ ፕረዚደንት ሙጋቤ ዝገዝኡዎ ክቡር ንብረት ዝፈልጦ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፣ በዓልቲ ቤት ሙጋቤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገዝኣቶ ናይ መንበሪ ገዛን፣ ደቃ ካብ ወጻኢ ዘእተዉወን ናይ ምቾት መካይንን፣ ካብ ካዝና መንግስቲ ብዝተወስደ ገንዘብ’ዩ ዝብል ክሲ ካብ ኣባላት ባይቶ’ታ ሃገር ድሕሪ ምቕራቡ’ዩ።

 

እንተኾነ ሚኒስተር ፓትሪክ ቺናማሳ፣ ብዛዕባ’ቲ ዝቐረበ ክሲ ኣፍልጦ ይኹን ርእይቶ ከምዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።

ንዚምባብወ ምስ ውሑዳት ጉጅለኣ ኮይና ተመሓድራ ኣላ እትበሃል ግሬይስ ሙጋቤ፣ ዘብለጭልጩ መመላኽዒን ክዳውንትን ብምግዛእ ግኑን ስም ሒዛ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ፣ ሕጂ ከኣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓቢ ናይ ምቾት መንበሪ ገዛ፣ንደቃ ከኣ ሮልስ ሮይስ ዝዓይነተን መካይን ገዚኣ ተባሂላ ትኽሰስ ዘላ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0