Radio Erena: February 3, 2014
ኣብ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዘካይድዎ ዘለዉ ሰልፊ ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ።
ኣብቲ ትማሊ 2 ለካቲት ኣብ ቴልኣቪቭ ሊቨንስኪ ፓርክ ዝጀመረ ሰልፊ፣ እቶም ስደተኛታት ከካብ ቤቶም ብምትእኽኻብ ኣብቲ ቦታ ግዝያዊ መጽለሊ ብምቛም’ዮም ዘካይድዎ ዘለዉ።
እቲ ኣብ ግዳም መጽለሊ ብምድኳን ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ውዒሉ ኣሎ። ንኽንደይ መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ’ውን ኣይተፈልጠን።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ እስራኤል ብግፋ ናብ ናብ መዳጎኒ መዓስከር ዝወሰዶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብዋሕዲ መሰረታዊ ነገራት ይሳቐ’ዩ ምህላዎም ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምውካስ፣ ወኪል ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።
እቶም ሳህሮኒም ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተዳጕኖም ዘለዉ ኤርትራውያን ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃን እኹል ክዳውንቲ’ውን ስለዘይብሎም፣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ወገናቶም ኣስታት 5 ሽሕ ዝግመት ክዳውንቲ፣ 4 ሽሕ መጻሕፍቲ ከምኡ ድማ ኣስታት 15 ሽሕ ሽኽል ጥረ ገንዘብ ከምዝልኣኹሎም ተሓቢሩ።
================================
COMMENTS