ታንዛንያ፣ ንዳይረክተር ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ሰጉጓ

Radio Erena: 27 April 2017

Tan UN

መንግስቲ ታንዛንያ፣ ኣብ ሃገር ዳይረክተር ፕሮግራም ልምዓት (UNDP) ኮይና ክትሰርሕ ንዝጸንሐት ላዕለወቲ በዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ሰጕጉ።

እቲ መንግስቲ፣ ብ25 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ናይ ጋምብያ ዜግነት ዘለዋ ኣዋ ዳቦ ካብ ሃገሩ ክትወጽእ ዝገበረሉ ምኽንያት፣ ምስ መንግስቲ ብዝጸንሓ ሕማቕ ዝምድናን ብዘይብቁዕ ምሕደራን ብምውቃስ’ዩ።

እንተኾነ፣ ማዕከናት ዜና ታንዛንያ ብዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻባት፣ እታ በዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ብሃንደበት ትስጎግ ዘላ፣ ኣብታ ሃገር፣ ደሴት ዛንዚባር ዝሓለፈት ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ብዝነበራ መርገጺን ዝሃበቶ መግለጺን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ይእምታ።

እታ ዳይረክተር UNDP ኮይና ኣብ ታንዛንያ ከተገልግል ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ጋምብያዊት ብዛዕባ’ቲ ብመንግስቲ ታንዛንያ ዝቐረበላ ክሲ ይኹን ካብታ ሃገር ምስጓጋ ብዝምልክተ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትን።

ሕቡራት ሃገራት’ውን ብወገኑ ነቲ ፍጻሜ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ታንዛንያ፣ ድሕሪ ምስጓግ ዳይረክተር UNDP ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ፕሮግራም ልምዓት፣ ምስ ኣካላት መንግስቲ እናተረዳድአ ኣብ ቀዳምነታቱ ኣተኩሩ ክሰርሕን ተላብዩ።

ኣብ 2016 ዝተኻየደ ምርጫ ታንዛንያ፣ “ኣሳታፍን ርትዓውን ኣይነበረን” ክብሉ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓያሎ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ነቒፎሞ’ዮም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0