ፕረዚደንት ግብጺ ኣብ ኬንያ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 23 February 2017

Al Sisi Uhuru

ኣብ ታሪኽ ግብጺ ናይ መጀመርያ መራሒ ናብ ኬንያ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝኣወሉ ድሙቕ ወትሃደራዊ ኣቐባብላ ከምዝተኻየደሉ ጋዜጣ ዘ ኔሽን ሓቢራ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓለን ክልተ መዓልታት ድማ ምስ ፕረዚንት ኬንያ ኡሁሪ ኬንያታን ካልኦት ሰበ ስልጣን ኬንያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባዊ ጉዳይት፣ ኣውራ ድማ ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ብምትኳር ዘትዮም።

እቲ ፕረዚደንት፣ ካብ 18 ክሳብ 20 ለካቲት ኣብ ኬንያ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾና ሃገራት ጀሚርዎ ዘሎ ስልታዊ ርክባት ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ምስ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ምስ ዘለዎም ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ማለት ኤርትራ፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ጅቡትን ኬንያ ርክብ ኣካይዱ ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0