Radio Erena: 21 December 2016
ስዑዲ ዓረብ ካብ ግብጺ እትሽምቶ ዝነበረት በርበረ ደው ከምዘበለቶ ሚኒስትሪ ኣከባቢ፣ ማይን ሕርሻን እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ካብ ቀጠር እትፍኖ ማዕከን ዜና ኣልዓረብ ብዘቕረበቶ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፣ ስዑዲ ካብ ግብጺ እተምጽኦ ዝነበረት በርበረ ደው ንምባል ዝወሰነትሉ ምኽንያት፣ ኣብ ትሕዝቶኡ መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ዘራእቲ ስለዝረኸብት ምዃኑ’ዩ ዘመልክት።
እቲ ሚኒስትሪ ብተወሳኺ ካብ ግብጺ ዝሽመት ፍረታት፣ ኣሕምልትን ፍርያት ስጋን ጸባን’ውን ምጽራይ ክገብረሉ ምዃኑ ጠቒሱ።
ሓላፊ ንሰደድ ዝቐንዐ ሕርሻ ግብጺ ሃኒ ሑሰን፣ ንጋዜጣ ሃገሩ፣ ንኣልኣሕራም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ናይ ስዑዲ ውሳኔ ካብ ለካቲት 2017 ግብራዊ ከምዝኸብውን ብምርግጋጽ፣ ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ርክብ ሰበ ስልጣን ክልትኤን ሃገራት ክካየድ ተመዲቡ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ግብጺ ዓመታዊ 15 ሽሕ ቶን በርበረ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክትልእኽ እንከላ፣ ብዝሒ ዓመታዊ ናይ እትልእኮ ፍርያት ሕርሻን እንስሳን ከኣ ብሓፈሻ 270 ሚልዮን ዶላር ይበጽሕ።
ስዑዲ ዓረብ ካብ ግብጺ እትሽምቶ ዝነበረት በርበረ ደው እትበል ዘላ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዲፕሎስያዊ ምውጣጥ ተኸሲትሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።
ስዑዲ፣ ነቲ ካብ ግብጺ እትሽምቶ ዝነበረት በርበረ ደው ድሕJሪ ምባላ፣ ካብ ኢትዮጵያ ክትትክኦ ተኽእሎ ከምዘሎ ተንተንቲ ይእምቱ።
ምስ ግብጺ ድሕሪ ምስሕሓባ፣ ስዑዲ ምስ ኢትዮጵያ ሓድሽ መድረኽ ዝምድና ከፊታ ትርከብ።
ላዕለዋይ ልኡኽ እታ ሃገር’ውን ኣብቲ ንግብጽን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕብ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ ዝሓለፈ ሰሙን ዑደት ኣካይዱ’ዩ።
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ብጉዳይ ሶርያ ምስሕሓብ ድሕሪ ምኽሳቱ፣ ስዑዲ ናብ ግብጺ እትልእኮ ዝነበረት ነዳዲ ጠቕሊላ ደው ከምዘበለቶ’ውን ዝዝከር’ዩ።
========================
COMMENTS