“መራሒ ናይታ ኣስታት 150 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ሒዛ ዓሚ ዝጠሓለት ጃልባ’ዩ” ዝተባህለ ቱኒዝያዊ ን18 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 14 December 2016

Ahmed

“መራሒ ናይታ፣ ኣስታት 150 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ሒዛ ኣብ 18 ሚያዝያ 2015፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝጠሓለት ጃልባ’ዩ” ተባሂሉ ዝተቐየደ መሓመድ ዓሊ ማሌክ ዝተባህለ ቱኒዝያዊ ን18 ዓመታት ክእሰር ከምዝተፈርዶ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ኣብ ኢጣልያ፣ ከተማ ካታንያ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ትማሊ 13 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ፣ ተሓጋጋዚ እቲ ቱኒዝያዊ ኔርካ ንዝበሎ ሶርያዊ ኣሕሙድ ቢክት ከኣ ንሓሙሽተ ዓመታት ክእሰር ፈሪድዎ ኣሎ።

እታ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማል፣ ሶርያን ዝርከብዎም ልዕሊ 700 ሰባት ጽዒና ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ፣ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሕሪ ምንጽልላዋ፣ ከተድሕና ምስ እትመጽእ ዝነበረት ካልእ ጃልባ ብምግጫዋ እቲ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዝበኣሰ’ዩ ዝግለጽ።

ናይዚ ተሓታቲ ከኣ ነታ ጃልባ ዝመርሕ ዝነበረ ወዲ 27 ዓመት ቱኒዝያዊ መሓመድ ዓሊ ማለክ ምዃኑ፣ ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሒደት ሰባት ብዝኣከቦ ሓበሬታ ክድምድም ክኢሉ።

ቱኒዝያዊ ማሌክ፣ ንባዕሉ ናብ ስደት ዘቕንዕ ዝነበረ ተራ ስደተኛ ምዃኑ እኳ እንተተጣበቀ፣ ከም ተሓጋጋዚኡ ዝተኸሰሰ ወዲ 25 ዓመት ሶርያዊ ኣሕሙድ ቢክት ግን ነታ ጃልባ ናይ ምምራሕ ሓለፍነት ዝወሰደ እቲ ቱኒዝያዊ ምንባሩ ቃል ሂቡ።

ብህልቂት ኣማኢት ሰባትን ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታትን ገበነና ኮይኑ ን18 ዓመታት ክእሰርት ዝተፈርዶ ቱኑዝያዊ መሓመድ ዓሊ ማለክ፣ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ብምንጻግ ይግባይ ክብል ምዃኑ ብመንገዲ ጠበቕኡ ሓቢሩ።

ኣብታ ዓሚ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝጣሓለት ጃልባ ካብ ዝደሓኑ 28 ሰባት እቶም ክልተ ቆልዑ ምንባሮም ይዝከር።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ብዘጋጠመ ሞት ኣስታት 150 ኤርትራውያን፣ ኣብ መላእ ኤርትራን ኤርትራውያን ዓሙቕ ሓዘን ከምዝፈጠረ ኣይርሳዕን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0