ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ መብርሂ ክህብ ኣብ ፓርላማ ሕ/ኤ ዝተዓደመ ሚ/ዜ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ተቓውሞ ይገጥሞ

Radio Erena: 27 November 2016

Yemane Charlie

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፣ ኣብ ፓርላማ ኤውሮጳ መደረ ከስምዕ ንዝተወጸ መደብ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ተቓውሞታት ይገጥሞ ኣሎ።

ብኣባል ፓርላማ ኤውሮጳ ብራየን ሀይስ ዕድመ ዝተገብረሉ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፣ ንሰኑይ ዕለት 28 እዩ መደርኡ ከቕርብ።

ሓያሎ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ ፖለቲከኛታትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነቲ ኣኼባ ክስርዞ ይግባእ ክብሉ ክታሞም ኣንቢሮም።

ሓያሎ ደብዳበታት እውን ናብ ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ብውልቂ ከምዝተላእከ ንሬድዮ ኤረና ዝሓበሩ ዲፕሎማሰኛታት፣ እቶም ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ መንግስቲ ኤርትራ ተኸሲሱሉ ዘሎ ምግሃስ መሰላት ሓላፍነታዊ ምላሽ ክሳብ ዘይሃበ፣ ምስ ሰበስልጣናቱ ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከቢድ ሳዕቤን ከምዘለዎ ዘዘኻኽር እዩ።

ብተመሳሳሊ ንተሳታፍነት ምኒስተር የማነ ብምቅዋም፣ ሓሙሽተ ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይሳተፋ፣ ኣብ ዘውጽኦኦ ናይ ሓባር መግለጺ ኣፍሊጠን።

እተን ኣባላት ፓርላማ ኣብ መግለጺአን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ መጋቢት 2016 ውሳኔኡን ካልእ ብተደጋጋሚ እዋን ከምዝገለጾን፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘካዪዶ ዘሎ ዓመጽ ክኹንን እኳ እንተጸነሐ፣ ንሚኒስተራቱ ብምዕዳም ክካየድ ዝውጠን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዘይድግፍኦ ኣፍሊጠን።

ኣቶ የማነ ‘ዕድላት ልምዓታዊ መደባትን ምህዞን ኣብ ኤርትራ’ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ንኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳን ካልኦትን መደረ ክህብ ምዃኑ’ዮም ምንጭታት ዝገልጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0