ቻይናን ጅቡቲን ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ዘተኮረ ዘተ ኣካይደን

ቻይናን ጅቡቲን ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ዘተኮረ ዘተ ኣካይደን

Radio Erena: 18 November 2016

Chia Djibouti

ምክትል ፕረዚደንት ቻይና ሊ ዩዋንሸዋ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ምክትል ፕረዚደንት ብ15 ሕዳር ጅቡቲ ድሕሪ ምእታው ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለን ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዓብዱልቃድር ካሚል መሓመድን ብምርኻብ፣ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ወግዓዊ መግለጺ መንግስታት ክልትኤን ሃገራት የመልክት።

ላዕለዋይ ልኡኽ ቻይና ምስ ዝተፈላለዩ ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ጅቡቲ ድሕሪ ምዝርራብ፣ ኣብ ንግዲ፣ ባንክን ቁጠባን ዘተኮረ ሓያሎ ስምምዓት ከምዝኸተሙ’ውን ይንገር።

እንተኾነ፣ ዘተ ሰበ ስልጣን ቻይናን ጅቡቲን ብኣውርኡ፣ ኣብቲ ቻይና እትሃንጾ ዘላ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ዘተኮረ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ’ውን ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዑደት ከምዘካየደ ይዝከር።

ቻይና፣ ንኣመሪካን ፈረንሳን ተኸቲላ’ያ ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ትሃንጽ ዘላ።

ጃፓን’ውን ኣሰር ቻይና ስዒባ ኣብ ጅቡቲ ህላዌኣ ንምርግጋጽ ትሰርሕ ከምዘላ’ዩ ዝንገር።

ቻይና ብዘይካ’ዚ ኣብ ጅቡቲ እትሃንጾ ዘላ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ከም ምህናጽ መንገዲ ባቡርን ምስፋሕ ወደባትን ዝኣመሰለ መደባት’ውን ብሃገራውያን ኩባንያታት ቻይና ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0