ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኣስመራ፣ ብተኸታታሊ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣቋሪጹ

Radio Erena: 17 November 2016

Asmara Elec

ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ከተማ ኣስመራ፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ብተኸታታሊ ኣቋሪጹ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ኤርትራ፣ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ንቡር እኳ እንተኾነ፣ ንሓያሎ መዓልታት ብተኸታታሊ ከቋርጽ ግና ሳሕቲ’ዩ።

ምስዚ ብተኸታታሊ ዝርአ ዘሎ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ተተሓሒዙ፣ ሆስፒታላት፣ ኣገልግሎት ሞባይል ቴሌፎን፣ ኣብያተ ሕብስቲ፣ እንዳ መጥሓን እኽሊን ካልእ ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ብኸቢድ ተሃስዩ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ኣብ ዝልኣኹልና ሓበሬታ ጠቒሶም።

ተኣምር ናይ ልምዓት መደባት የሰላስል ኣለኹ ዝብል መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ኣብዚ 12 ዓመታት እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ጸገም ናይቲ መሰረት ምዕባለ ዝኾነ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክፈትሕ ኣይክኣለን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ለገስትን ንዝረኽቦ ዘሎ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት፣ ኣብ ጸዓት ብፍላይ ምስፋሕ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ ከውዕሎ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

 

 

ስእሊ፣ ኣርካይቭ ኢንተርነት (Power failure at the eve of the wedding in Kahawta) http://www.asmera.nl/eritrea2003/eritrea-2003-10.htm 

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0