ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ብምሁራት ዝተዓብለለ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣቝሙ

Radio Erena: 02 November 2016

PM et

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጁ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ምቅይያር ኣካይዱ።

እዚ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብታ ሃገር ብተወላዶ ኦሮሞ፣ ኣምሓራን ካልኦት ብሄራትን ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ዝካየድ ዘሎ ምቅይያር ካቢነ ሚኒስተራት ካብ ፓርላማ እታ ሃገር ደግፍ ክረክብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ምቅይያር፣ ሓያሎ ምሁራን ተወላዶ ኦሮሞ ጸንቢሩ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢኡ ኣሎ።

ካብቶም ተሸይሞም ዘለዉ 21 ሓደስቲ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት፣ እቶም 15 ናይ ዶክትሬትን ልዕሉኡን ማዕረግ ዘለዎም ምዃኖም’ውን ዝርዝር ስማት ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር የረጋግጽ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ 30 ኣባላት ዝሓቖ ኮይኑ፣ ኣብዚ ሓድሽ ምቕይያር እቶም ትሽዓተ ኣብ ዝነበርዎ ጽፍሒ ክቕጽሉ’ዮም።

እዚ ብምሁራን ዝተዓብለለን ሰለስተ ደቂንስትዮ ዘለውኦን ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት እታ ሃገር እንታይ ዓይነት ለውጢ ከምዝጽእ ከምዝኽእል ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0