ካናዳ ኣስታት 1700 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሱዳን ከተጣይስ’ያ

Radio Erena: 26 October 2016

IOM

ካናዳ ክሳብ መጋቢት 2017 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 1700 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሱዳን ከተጣይስ መደብ ከምዘለዋ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ንክፍሊ ኢምግሬሽን ዜግነትን ስደተኛታትን ካናዳ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ክሳብ ምዝዛም ዓመተ 2016ን ፈለማ 2017ን፣ ኣስታት 3500 ስደተኛታት ካብ ሱዳን ናይ ምጥያስ መስርሕ ንምክያድ ውጥን ኣሎ።

እቶም 1750 ስደተኛታት ድሮ ብመንገዱ ናብ ካናዳ ግዒዞም ከምዘለዉ ዝሓበረ IOM፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ጥራይ 430 ካብኣቶም ካናዳ ከምዝኣተዉ’ዩ ኣመልኪቱ።

ነቶም ዝተረፉ ኣስታት 1700 ስደተኛታት ክሳብ መጋቢት 2017 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ሱዳን ናብ ካናዳ ከግዕዞም ኣብ መስርሕ ከምዘሎ’ውን ገሊጹ።

98 ሚእታዊት ናይቶም ካናዳ ካብ ሱዳን እተጣይሶም ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ ክኾኑ እንከለዉ እቶም 2ሚእታዊት ኢትዮጵያውያን ምዃኖም IOM ኣብ መግለጺኡ የነጽር።

ካናዳ፣ ሓንቲ ካብተን ብዝሒ ስደተኛታት ብምጥያስ ቀዳማይ ቦታ ሒዘን ዘለዋ ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም’ያ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከራት፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ኣስታት 126 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለው ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0