ኣብ ሶማል፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ተጨውዮም ዝጸንሑ 26 ባሕረኛታት ተለቒቖም

Radio Erena: 25 October 2016

26

ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ብሸፋቱ ባሕሪ ሶማል ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ 26 መርከበኛታት ተለቒቖም።

እቶም ዜጋታት ቻይና፣ ፊሊፒንስ፣ ካምቦድያ፣ ኢንዶነዥያን ታይዋንን ዝኾኑ 26 ሰራሕተኛታት ናይ ዖማን ባንዴራ ዝነበራ ናይ ንግዲ መርከብ፣ ኣብ ክሊ ማያት ሲሸልስ እናንሳፈፉ’ዮም ኣብ መጋቢት 2012 ብሸፋቱ ባሕሪ ሶማል ተታሒዞም።

ንምልቃቖም ክካይድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ከይተዓወተ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ብ23 ጥቅምቲ ብዝተኸፍለሎም 3 ሚልዮን ዶላር ከምዝተለቁ ዝሕበር ዘሎ።

እንተኾነ፣ እቶም ባሕረኛታት ንምልቃቖም ገንዘብ ከምዝተኸፍለ ካብ ምሕባር ተቖጢቦም ኣለዉ።

ካብ ሶማል፣ ዞባ ጋልካዮ ድሕሪ ምውጽኦም ነናብ ዓዶም ንምፍናው ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ከምዝርከቡ’ውን መንግስቲ ኬንያ ኣረጋጊጹ።

ሸፋቱ ባሕሪ ሶማል፣ ኣብ ክሊ ማያት ህንዳዊ ውቅያኖስ ንዝንቀሳቐሳ ንግዳውያን መራክብ ብምጭዋይ፣ ሚልዮናት ዶላራት ከምዝሓቱ ይፍለጥ።

ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፣ ንግዳውያን መራኽበን ካብ ጭውያ ሸፋቱ ባሕሪ ንምክልኻለን፣ መራኽብ ኵናት ኣብቲ ክሊ ማይ ድሕሪ ምውፋረን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ዝተጨውያ መራኽብ ናብ ዜሮ ወሪዱ ኣሎ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0