ኣብ ባልጃ ተሓቢኡ ናብ ስዊዘርላንድ ክኣቱ ዝፈተነ ‘ኤርትራዊ’  ተታሒዙ

ኣብ ባልጃ ተሓቢኡ ናብ ስዊዘርላንድ ክኣቱ ዝፈተነ ‘ኤርትራዊ’ ተታሒዙ

Radio Erena: 06 July 2016

Balja

ኣብ ባልጃ ተሓቢኡ ናብ ስዊዘርላንድ ክኣቱ ዝፈተነ ‘ኤርትራዊ’ ምዃኑ ዝገለጾ ስደተኛ ከምዝተታሕዘ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ፖሊስ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ’ዩ ዝበሎ መንእሰይ፣ ነብሱ ዓማጺጹ ኣብ ባልጃ ድሕሪ ምእታው፣ ብሓደ ካልእ ኤርትራዊ ተሓጊዙ’ዩ ካብ ከተማ ሚላኖ ናብ ስውዘርላንድ እተምርሕ ናብ ዝነበረት ባቡር ተሰቒሉ።

ድሕሪ ናይ 45 ደቓይቕ ጉዕዞ፣ ተሳፈርቲ እታ ባቡር፣ ኣብ ውሽጢ ዝተዓጽወ ባልጃ ድምጺ ሰብ ብምስምዖም ንኣባላት ሓለዋ ባቡር ‘ዮም ሓቢሮም።

“ዋና ባልጃ’የ” ዝበለ ስለዘይተረኽበ ኸኣ እቲ ባልጃ ኣብ ዶብ ኢጣልያን ስዊዘርላንድ እትርከብ ከተማ ቻይሶ ክኽፈት ተወሲኑ።

እቲ ባልጃ ኣብ ዝተኸፍተሉ ድማ ሜትሮን 60 ሰንቲሜተርን ዝቑመቱ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ተዓዃሊሉ ጸኒሑ።

 

ተሓባባሪ እቲ መንእሰይ’ዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ካልእ ኤርትራዊ’ውን ኣብ ሽንቲ ቤት ተሓቢኡ ከምዝተረኽበ ፖሊስ ስዊዘርላንድ ሓቢሩ።

እቶም ኤርትራውያን ካብ ሚላኖ ኣብ ዝተበገስሉ ንፖሊስ ስዊዘርላንድ ሓበሬታ ከምዝበጽሖምን፣ ጉዕዝኦም ክሳብ ብሪጣንያ ክቕጽሉ መደብ ከምዝነበሮምን ጸብጻብ ፖሊስ የመልክት።

ክልቲኦም እቶም ኤርትራውያን ምዃኑ ዝተጠቕሱ ስደተኛታት ንመንነቶም ዝገልጽ ዝኾነ ወረቀት ከምዘይጸንሖምን፣ ብኡ ንብኡ ከኣ ናብ ፖሊስ ኢጣልያ ከምዝተረከቡን’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0