ሚኒስትሪ ዜና፣ ብሰንኪ ብዝሒ ስደት ኣባላቱ ብኸቢድ ካብ ዝተሃስዩ ትካላት መንግስቲ ሓደ ምዃኑ ተሓቢሩ

ሚኒስትሪ ዜና፣ ብሰንኪ ብዝሒ ስደት ኣባላቱ ብኸቢድ ካብ ዝተሃስዩ ትካላት መንግስቲ ሓደ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 29 June 2016

Forto

ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ብብዝሒ ናብ ስደት ይውህዙ ብምህላዎም፣ እቲ ሚኒስትሪ ሓደ ካብቶም ብኸቢድ ተሃስዮም ዘለዎ ትካላት መንግስቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ደገፍቲ ህግደፍ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ጄኔቫ ንዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ብቀጥታ ብኤሪ ቲቪ ንምትሕልላፍ ካብ ዝተላእከኡ ሰለስተ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ሓደ ዑቕባ ንምሕታት ድሕሪ ምትራፉ፣ ተወሳኺ መብርሂ ንምሕታት ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኣባላት እቲ ሚኒስትሪ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ኣስታት 27 ዝኾኑ ኣባላት እቲ ሚኒስትሪ ከምዝተሰዱ ኣረጋጊጾም።

ንሳቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ኣሕመድ ዑመር ጥራይ ዘይኮነ ኣቐዲሞም’ውን ከም ኢያሱ ተወልደመድህን፣ በረኸት ኣብርሃም፣ ኣማኑኤል ዛይድን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ህቡባት ጋዜጠኛታት፣ ኤዲተራትን ቴክኒሻናትን ካብቲ ሚኒስትሪ በብእዋኑ ከምዝተሰዱ ኣዘኻኺሮም።

ገዳይምን ምኩራትን ጋዜጠኛታትን ቴክኒሻናትን ሚኒስትትሪ ዜና፣ ገሊኦም ዶባት እናሰገሩ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ገሊኦም ከኣ ንሕክምናን ስልጠናን ኣብ ዝልኣኽሉ፣ በብእዋኑ ብብዝሒ ክሃድሙ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንመላእ ሃገር ብከቢድ ሃስዩዋ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ሚኒስትሪታት ምክልኻል፣ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ዜናን ካብተን ብቀዳምነት ብስደት ሞያውያን ዝተጸልዋ’የን።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0