ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ደብዳቤ ልኢኹ

Radio Erena: December 26, 2013

 

ፕርዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ናብ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣብዚ ሓድሽ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ዘተኮረ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

 

ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ቅድሚ ናጽነት እታ ሃገር ኣብ ዝነበረ ግዜ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጥቡቕ ዝምድና ከምዝነበሮም ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ናጽነታ ካብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ዝምድና ክትምርስት ከምዝኽኣለት’ዩ ዝንግረ።

እዚ ድማ ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣልበሽር ዝመስረቶ ስልታዊ ዝምድናን ኣተኩሮ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ተንተንቲ ፖለቲካ ይጠቕሱ።

ይኹን’ምበር፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሓያሎ ጉጅለታት ደቡብ ሱዳን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዎ ሓያክሎ ወገናት ይሰማምዑ።

ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ተቓወምቲ ዝነበሩን፣ ድሒሮም’ውን ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ዝኾኑ ሳልቫኪር ዓሌት ካብ ዲንካ ሬክ ማሻር ድማ ካብ ዓሌት ኑዌር፣ ተፈጢሩ ብዘሎ ግጭት እታ ሃገር ናብ ምሉእ ዓሌታዊ ኵናት ሓድሕድ ከይተምርሕ ተሰጊኡ ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኢር ሚያርዲት ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ከምዘካየደ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ንምሽምጋል ኢትዮጵያ’ውን ተበግሶ ወሲዳ ከምዘላ ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0