ኣብ እስራኤል ኣብ ክፉት መዳጎኒ መዓስከር ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: December 19, 2013

 

እስራኤል ካብ ሓያሎ ከተማታት ኣኻኺባ ኣብ ሓደ ክፉት መዓስከር ዝዳጎነቶም ኣማኢት ኤርትራውያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

ኣስታት 250 ካብቲ ተታሒዞምሉ ዝነበሩ ኣብ በረኻ ዝተደኮን መዓስከር ወጺኦም ናብ ከተማ ዮርሳሌም እናመረሹ’ዮም ነቲ ኣድማ ጀሚሮሞ።

 

ትማሊ ሰሉስ ድማ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ተወሰኽቲ ኤርትራውያን ነቲ ሰልፊ ተጸንቢሮሞ ከምዘለዉን ኣብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ተቓውሞታቶም ከስምዑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

እቶም ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ናብ እዮርሳሌም ኣብ ዝተበገስሉ፣ ኣውቶቡስ ከይስቀሉ ፖሊስ እታ ሃገር እኳ እንተኸልከልዎም፣ ነቲ ናይ መግስቲ እስራኤል ውሳኔ ዝቓወሙ ጸጋማውያን ጉጅለታት ግና ኣስታት ሽዱሽተ ዝኾና ኣውቶቡስ ብምድላው ይተሓባበርዎም ከምዘለዉ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ብመካይን ዝተሰነዩ ፖሊስ’ውን ጎኒ ጎኒ እቶም ኤርትራውያን እናኸዱ ይከታተልዎም ኣለዉ።

ሓያሎ እስራኤል’ውን ነቲ ሕሉፍ መርገጺ ዘለዎ መንግስቲ እስራኤል ሰዓብቱን ኣብ ሎሊ ስደተኛታት ወሲዶሞ ዘለዉ ኢሰብኣዊ ተግባራት ብምኹናን ምስቶም ኤርትራውያን ተጸንቢሮም ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

እስራኤል ድሕሪ ዘሕለፈቶ ሓድሽ ውሳኔ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ናብቲ ኣብ ዶብ ግብጺ ኣብ ዝርከብ ኣብ በረካ ዝተደኮነ መዳጎኒ መዓስከር ተወሲዶም ክሳብ ሓደ ዓመት ክእሰሩን፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ፍቓደኛታት እንተዘይኮይኖም ድማ፣ ህይወቶም ምሉእ ኣብ መዓስከር ከሕልፍዎን ዝብል’ዩ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0