ወኪል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ዑደት ንምክያድ ዘቕረቦ ሓሳብ ብኣመሪካ ተነጺጉ

ወኪል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ዑደት ንምክያድ ዘቕረቦ ሓሳብ ብኣመሪካ ተነጺጉ

Radio Erena: 19 April 2016

UNSC

ወኪል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ እገዳ ተነቢሩለን ናብ ዘሎ ሶማልን ኤርትራን ዑደት ንምክያድ ዘቕረቦ ሓሳብ፣ እቲ ናይ ሶማል ደገፍ ክረክብ እንከሎ፣ እቲ ናይ ኤርትራ ግና ብኣመሪካ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ማዕከን ዜና ኢነር ሲቲ ፐርስ ኣፍሊጡ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ኣስማት ምንጭታቱ ከይጠቕሰ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ባይቶ ጸጥታ ሎሚ ሰሉስ 19 ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ ዕጹው ርክብ፣ ንዝመጽእ ወርሒ ኣቦ መንበርነት ‘ቲ ባይቶ ዝርከብ፣ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ግብጺ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ሶማል፣ ኤርትራን ግብጽን ምብጻሕ ንምፍጻም ሓሳብ ከምዘቕረበ ሓቢሩ።

ናብ ሶማልን ግብጽን ተቐባልነት ክርከብ እንከሎ፣ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝብል ሓሳብ ግና ብኣመሪካ ተቓውሞ ስለዝገጠሞ፣ ክስረዝ ከምዝኽእል ኢነር ሲቲ ፕረስ ይጠቕስ።

 

ሶማል ካብ 1991 ኣትሒዙ ብባይቶ ጸጥታ እገዳ ዝተነብረላ ክከውን እንከሎ፣ ኤርትራ ከኣ ምስዚ ናይ ሶማል ተተሓሕዙ ካብ 2009 ንደሓር እገዳ ከምዝገብረላ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣልሸባብ ይድግፍ ምህላዉ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘየለ ጸብጻብ ናይታ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልን የመልክት።

እንተኾነ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ዘንበሮ እገዳ ንኽልዓል ገና ተወሳኺ መጽናዕታት ከምዘድሊ ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

ጉዳይ ጅቡቲ’ውን ሓደ ካብ ኣውራ ምኽንያታት እገዳ ስለዝነበረ፣ መንግስቲ ኤርትራ ን8 ዓመታት ብስቕታ ሒዝዎም ዝጸንሐ ኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ምልቓቑ፣ እገዳ ንኽልዓለሉ ካብ ዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ፈተነታት ምዃኑ ይትንተን።

ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ካብ ዝኾና ሓሙሽተ ሃገራት ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓለ እቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ግኑን ስም ዘለዎ ምልካዊ መንግስቲ ፖለቲካዊ ጽገናታት ክገብር’ዮም ዝጠልቡ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0