ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ዝሓድሩ ስደተኛታት ብዘጎሃሃርዎ ግጭት ሓያሎ ቆሲሎም

ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ዝሓድሩ ስደተኛታት ብዘጎሃሃርዎ ግጭት ሓያሎ ቆሲሎም

Radio Erena: 18 April 2016

Par

ኣብ ጎደና ፓሪስ፣ ኣብ ትሕቲ ድልድል መንገዲ ባቡር ክነብሩ ዝጸንሑ ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ሓድሕዶም ብዝጎሃሃርዎ ግጭት ሓያሎ ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ ናብ ሎሚ 18 ሚያዝያ ናብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ፣ ሰሜናዊ ክፍል ፓሪስ ስደተኛታት ብብዝሒ ኣብ ዝሓድርሉ ድልድል መንገዲ ባቡር ዝተኸስተ ግጭት ጠንቑ ክንጸር እኳ እንተዘይክኣለ፣ ብሰንኪ ናይ መሕደሪ ቦታን ካልእን ብዝተላዕለ ምስሕሓብ ምዃኑ’ዩ ዝግመት።

በቲ ‘ስታሊን ግራድ’ ኣብ ዝትበህለ መዓርፎ ናይ ከተማ ባቡር (ሜትሮ) ዝተጎሃሃረ ግጭት ስደተኛታት፣ ሓያሎ መሳዅቲ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተሰባበረ’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሓቢሮም።

 

ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝገበርዎ ጻውዒት ፖሊስ ፈረንሳ ኣብቲ ቦታ ብብዝሒ ድሕሪ ምውፋሮም፣ ነቲ ግጭት ንምህዳእ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሱ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፓሪስ ዝርከብ ‘ላ- ሻፔል’ ዝተባህለ ከባቢ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ናብ ወደብ ካሌ ዝብገሱ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሶርያን ዒራቕን ብብዝሒ’ዮም ዝተኣኻኸቡ።

ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ’ውን ነቶም በብግዜኡ ኣብ ጎደናታት ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ናብ ውሕሱ ቦታ እናግዓዘ፣ ግዝያዊ ፍታሕ ከናድየሎም ጻዕርታት ክገብር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ ናብ ሎሚ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ዝተጎሃሃረ እምባጋሮ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ ጉድኣት እንተሎ ንምጽራይ ሬድዮ ኤረና ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ትርከብ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0