ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቶም ብ3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዝተቀትሉ ዘኪሮም

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቶም ብ3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዝተቀትሉ ዘኪሮም

Radio Erena: 11 April 2016

Remem

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቶም ብ3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዝተቀትሉን ዝቖሰሉን ተዓላሞ ዘኪሮም።

ኣብ እስራኤል፣ ብሪጣንያ፣ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝልእክዎ ዘለዉ ሓበሬታት መሰረት፣ ነቲ ቀትሪ ምድሪ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናዘለሉ ክሃድሙ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ ተዓላሞ ዝተወሰደ ናይ ምቕታልን ምቑሳልን ስጉምቲ ብምኹናን፣ እቲ ፍጻሜ ንባህርያት መንግስቲ ኤርትራ ዘግሃደ ምንባሩ’ውን ኣስሚሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ንመላእ ህዝቢ ዘጉሃየ ቅትለትትን መቑሰልትን ዕሸላት መንእሰያት፣ ዝኾነ ወግዓዊ መብርሂ ዘይሃበሉ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቐት ዘንጸባርቕ ምዃኑ’ውን ኣረዲኦም።

 

በንጻሩ ግና ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራን ደገፍቲ ህግደፍ፣ ንምድዕዓስ ተባሂሉ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማና ገብረመስቀል ድሕሪ ራባዕቲ ናይቲ ፍጻሜ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብቲ ዘሕዘን ናይ ሰንበት ፍጻሜ ዘሊለሞ ክሃድሙ ዝፈተኑ ክልተ መእሰያት ጥራይ ከምዝሞቱን 11 ከኣ ከምዝቖሰሉን ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።

ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ስርዓት’ውን ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ጠያይቲ ናብ ሰማይ ከምዝተኮሱ ብምሕባር፣ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ግና ነቲ ፍጻሜ ከምዘጋነንዎ’ዩ ከረድእ ፈቲኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማን ገብረመስቀል ኣብ ወጻኢ ናብ ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ።

ኣብቲ ብሰንበት 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ፣ ሓደ ቆልዓን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከብዎም 11 ሰባት ከምዝቖሰሉን ኣስታት 20 ከኣ ከምዝቖሰሉን’ዩ ዝግለጽ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0