ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ይፍጽም

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 24 March 2016

UAE

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ይፍጽም ምህላዉ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ምክልካል ሱዳን ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጡ።

እቲ ብሓላፊ ጸጥታን ወትሃደራዊ ስለያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ዓጋብ ሻሂን ኣል ዓሊ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ምክልካል ሱዳን ዓውውውዋድ ኢብን ዓውፍን ካልኦት ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣንን ሱዳን ተዘራሪቡ።

ዕላማ ዑደት እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስ ሱዳን ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድን ዘተኮረ ምዃኑ እቲ ናይ ሱዳን ትሪቡን ሓበሬታ የመልክት።

 

ሱዳን፣ ኣባ ጎኒ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝስለፍ ኣስታት 900 ወትህደራት ዝሓቖፈ ሰራዊት ናብ የመን ምውፋራ ይፍለጥ።

እታ ሃገር ኣምሳያ ናይቲ ምስ ሃገራት ወስመጥ ዓረብ እትገብሮ ዘላ ወትሃደራዊ ምድግጋፍ፣ ካብ ስዑዲ፣ ኢማራትን ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባን ልምዓታውን ወትሃደራውን ዘጠቓለለ ናይ ቢልዮናት ድጋፍ ይግበረላ ምህላዉ ይጥቀስ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0