ጅቡቲ፣ ሸውዓት ምሩኻትን ሓደ ሬሳን ገና ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ኣለዉ ትብል

ጅቡቲ፣ ሸውዓት ምሩኻትን ሓደ ሬሳን ገና ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ኣለዉ ትብል

Radio Erena: 23 March 2016

dj

ጅቡቲ፣ ገና ሸውዓተ ወትሃደራታ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ከምዘለዉ ሓቢራ።

መንግስቲ እታ ሃገር፣ ነቶም ብ18 መጋቢት ዝተለቑ ኣርባዕተ ምሩኳት ኵናት ድሕሪ ምቕባሉ ብመንገዲ ቴሌቪዥን ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ገና ሸውዓተ ምሩዃትን ሓደ ሬሳን ሒዙ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ብመንጎኝነት ቀጠር ተጀሚሩ ዘሎ ምሩዃት ናይ ምምላስ መስርሕ ክቕጽል ዘለዋ ተስፋ’ውን ገሊጹ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዝጸንሐ ኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ድሕሪ ምልቓቑ፣ ብመንገዲ ቀጠር ናብ ዓዶም ኣብ ዝኣተዉሉ ድሙቕ ወትሃደራዊ ኣቐባብላ ከምዝተገብረሎም’ውን ቴሌቭዥን እታ ሃገር ሓቢራ።

ምልቓቕ እዞም ኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ፣ ንክልትኤን ሃገራት ከቐራርበን ይክእል’ዩ እናተባህለ ብሓያሎ ወገናት ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ብወገን ኤርትራ ግና ዝኾነ መግለጺ’ውን ኣይተዋህበሉን።

ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከራት ዘለወን ኣመሪካን ፈረንሳን ድሕሪ ምልቓቖ እዞም ኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ኣብ ዘውጽኦኦ መግለጺታት፣ ነቲ ቀጠር ዝተወሰደቶ ሰናይ ተበግሶ ብምምስጋን፣ ናይቶም ተሩፍዎም ዘለዉ ምሩዅት ግና ከምዘተሓሳሰበን ኣመልኪተን።

ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ዘይሃበሉ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካልእስ ይትረፍ፣ ነቶም ኣብ ዶባት ኤርትራ ምእንቲ ውሕስነት ሃገር ደው ኢሎም ዝነበሩ’ሞ፣ ኣብቲ ናይ ሰነ 2008 ኵናት ብጅቡቲ ዝተማረኹ 20 ኣባላት ሓይልታት ምክልካል፣ ሃለዋቶም ክሒዱ ምህላዉ ይፍለጥ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣልታኒ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ’ውን ብዛዕባ ኩነታት ምሩዃት ኵናት ኤርትራ ከምዝተመያየጠ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ይጠቕሱ።

እቶም ብጅቡቲ ተታሒዞም ዘለው 19 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ፣ ናብቲ ንሸሞንተ ዓመታት ህላዌኦም ዝኸሓደ መንግስቲ ኤርትራ ምምላስ እንተኣብዮም ብመንገዲ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክዕቆቡ ተኽእሎ ኣሎ።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0