10 ተሓጋገዝቲ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ብምጥፍፋእ 15 ሚልዮን ዶላር ተኸሲሶም

10 ተሓጋገዝቲ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ብምጥፍፋእ 15 ሚልዮን ዶላር ተኸሲሶም

Radio Erena: 03-03-16

south Sudan cor

10 ኣባላት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን 15 ሚልዮን ዶላር ብምጥፍፋን ብምስናዕ ገንዘብን ተኸሲሶም።

ብዘይካ’ቶም ተሓጋጋገዝቲ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ምዃኖም ዝትየገልጹኡ 10 ሰባት፣ ካብ ማእከላይ ባንክን ሚኒስትሪ ፋይናንስ’ውን ክልተ ብተመሳሳሊ ተኸሲሶም ምህላዎም ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ሓቢሩ።

ኣብቲ ናይ ምጥፍፋእን ምስናዕን 15 ሚልዮን ዶላር ዝተሓባበሩ ኣርባዕተ ኬንያውያን’ውን ምስዞም 12 ዜጋታት ደቡብ ሱዳን፣ ብሰኑይ 29 ለካቲት ኣብ ከተማ ጁባ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

 

ደቡብ ሱዳን ብብልሻናን ምጥፍፋእ ን ሓንቲ ካብተን ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት’ያ።

እታ ሃገር ካብ ነዳዲን ካልእ ሓገዛትን ዓመታዊ ካብ እትረኽቦ ናይ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን እቶት ሓደ ሲሶ ከምዝጠፋፋእ ፊናንስያውያን ጸብጻባት እታ ሃገር የረድኡ።

ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ደቡብ ሱዳን ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ 12 ሚልዮን ዝግመት ህዝባ፣ ንመዓልቲ ሓንቲ ዶላር ክረክብ ከምዘይክእል ጸብጻብ ባንክ ዓለም የመልክት።

ካብ ሁከት ኣዕሪፋ ዘይትፈልጥ ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ግጭታት 10ታት ኣሽሓት ክሞቱ እንከለዉ፣ ኣስታት 2 ሚልዮን ከኣ ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም ይነብሩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0