ናብ እስራኤል ንምስጋር ዝፈተኑ 15 ሱዳናውያን ብፖሊስ ግብጺ ተቐቲሎም

ናብ እስራኤል ንምስጋር ዝፈተኑ 15 ሱዳናውያን ብፖሊስ ግብጺ ተቐቲሎም

Radio Erena: 14 November 2015

Eg Is

ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝፈተኑ ሱዳናውያን፣ ካብ ሓለዋ ዶብ ግብጺ ብዝተተኮሰሎም ጠያይት ከምዝተቐትሉ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ካብ’ቶም ብበረኻታት ሲናይ ኣቢሎም ናብ እስራኤል ክኣትዉ ዝፈተኑ ሱዳናውያን 15 ብኡ ንብኡ ክሞቱ እንከለዉ፣ ካልኦት ሸሞንተ ከኣ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ኢልዓሪሽ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ይርከቡ።

ኣሶሼትድ ፕረስ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ መንጎ ሰራዊት ግብጽን በደዊን ሸፋቱን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ስለዝኣተዉ’ዮም ግዳያት ኮይኖም ይብል።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና ግብጺ፣ እቶም 15 ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ራፋሕ ከምዝተቐትሉ ክገልጽ እንከሎ፣ እቶም ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ 8 ሰባት’ውን ብኸቢድ ቆሲሎም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መጀመሪያ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ተመሳሳሊ ፍጻሜ ኣጋጢሙ ምንባሩ ዝገልጻ ማዕከናት ዜና እስራኤል ብወገነን፣ ሓለዋ ዶብ ግብጺ ኣብ ልዕሊ 28 ሱዳናውያን ስደተኛታት ተኹሲ ድሕሪ ምኽፋቶም ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ካልኦት ሓሙሽተ ከኣ ከምዝቖሰሉ የመልክታ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ እስራኤል ንምእታው ብበረኻታት ሲናይ ናይ ዝሰግሩ ቁጽሪ ኤርትራውያን ደው ኢሉ’ኳ እንተሎ፣ ኣማኢት ካብኣቶም ግዳይ መጭወይቲን ካልእ ዘስካሕክሕ ግፍዕታትን ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0