ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምምላስ ዘቕረቦ ውጥን ተነቒፉ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምምላስ ዘቕረቦ ውጥን ተነቒፉ

Radio Erena: 14 November 2015

E Af in Mal

ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝሕግዝ ማዕከን ገንዘብ ክምስረት ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ስምምዕ ምኽታሙ፣ ካብ ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቐፌታ ይወርዶ ኣሎ።

እቲ ኣብ ማልታ ዝተኸተመ ናይ 1.9 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ካብ ዜጋታተን ዝለኣኽ ናይ ሓዋላ ኣታዊታት ክንክዮ እዩ ብምባል ክነጽጎኦ እንከለዋ፣ ኢትዮጵያ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ከኣ ስምምዕ ከቲመን ኣለዋ።

 

ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ናብ ሃገሮም ብዝልእክዎ ሓዋላ፣ እታ ኣህጉር ዓመታዊ 32 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዘለዋ ጸብጻባት የመልክቱ። ካብዚ፣ ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ቢልዮን፣ ኤርትራ 1.2 ቢልዮን፣ ሶማልያ 2 ቢልዮን ካብ ዜጋታተን ካብ ዝለኣኽ ናይ ሓዋላ ገንዘብ ኣታዊታት ኣለወን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝኸተሞ ስምምዕ፣ ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ኢትዮጵያውያንን መጣየሲን፣ ዘሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ንምቁጽጻርን ዝውዕል ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክልገስ እዩ።

ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘቕርብዎ ዘለዎ ተቓውሞ፣ ነቶም ቀንዲ ምኽንያት ስደት ዜጋታቶም ኮይኖም ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ገንዘብ ምልጋስ፣ ነቲ ኩነታት ዘጋድድ ደኣምበር ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይኮነ ይጠቕሱ።

ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ’ውን ንቁጠባዊ ምዕባለ ዝተሰምየ ገንዘባዊ ሓገዝ ብምሃብ ንዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ክገትእ ምፍታኑ፣ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ደው ምባል እዩ ክብሉ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጥርዓናት ከቕርቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0