ምቕያር ናቕፋ ብሰንኪ ዝፈጠሮ ሻቕሎት፣ ህዝቢ ሃለኽቲ ነገራት ንምሽማት ይጓየ ኣሎ

ምቕያር ናቕፋ ብሰንኪ ዝፈጠሮ ሻቕሎት፣ ህዝቢ ሃለኽቲ ነገራት ንምሽማት ይጓየ ኣሎ

Radio Erena: 13 November 2015

Eritel

ምቕያር ናቕፋ ብሰንኪ ዝፈጠሮ ሻቕሎት፣ ህዝቢ ሃለኽቲ ነገራት ንምሽማት ኣብ መስርዕ ይውዕል ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብሰንኪ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ዘይምርግጋእ ዕዳጋ ብኢሱ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ናይ ሞባይል ቴሌፎን ካርድ እናተሳእነ ይመጽእ ስለዘሎ፣ ህዝቢ ካርድ ንምግዛእ መሳርዕ ይውዕል ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት በሳእል ኣሰንዮም ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ባጤራ ናቕፋ ንምቕያር ዘድሊ ቅጥዕታት ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ህዝቢ ዝጸንሖ ገንዘብ ናብ ባንክ ንምእታው’ውን ኣብ መስርዕ የርፍድ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

 

ህዝቢ፣ ንዘለዎ ናቕፋ ናብ ከም ወርቂ ዝኣመሰለ ንብረት ንምቕያሩ ይጓየ እኳ እንተሎ፣ ሓያሎ ንግዳውያን ትካላት ካብ ዝተወሰነ መጠን እንተዘይኮይኑ፣ ህዝቢ ዝደለዮ ብዝሒ ክዕድግ ይኽልክላ ኣለዋ።

ከም ወኪል ጉዕዞ ዝኣመሰሉ ትካላት ድማ፣ በዚ ገና ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ናቕፋ ትኬት ምሻጥ ሻቕሎት ስለዝፈጠረሎም፣ ካብ ደገ ብዝግብረ እንተዘይኮይኑ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝወሃብ ኣገልግሎት ዕድጊ ደው ኣቢሎም ኣለዉ።

መንግስቲ፣ ባጤራ ናቕፋ ንምቕያር ዘውጽኦ ቅጥዕታት፣ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ስለዝፈጠረ፣ ኣብ ዕዳጋ ዝጸንሐ ዘይምርግጋእ ብኢሱ ምህላዉ ብተደጋጋሚ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ካብ 18 ሕዳር ክሳብ 30 ታሕሳስ ክካየድ ምዃኑ’ዩ ባንክ ኤርትራ ኣፍሊጡ ዘሎ።

ተወሳኺ ኣሳእል ካብ ኣስመራ፣-

bank Eri

 

 

 Asmara riga2Asmara riga

COMMENTS

WORDPRESS: 0