ኣብ ሪችሞንድ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፉ

ኣብ ሪችሞንድ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፉ

Radio Erena : 15 October 2015

yonas tek

ኣብ ቪርጂንያ፣ ሪችሞንድ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ካብ ዝተሳተፉ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዮናስ ተኸስተ ዝተባህለ ሓደ ካብኣቶም ዑቕባ ንምሕታት ኣብታ ሃገር ከምዝተረፈ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ሪችሞንድ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ዝተሳተፈት ጋንታ ኤርትራ፣ ከምቲ ኣብ ካልእ እዋን ኣንጸባራቒ ዓወታት ክትጎናጸፍ እኳ እንተዘይክኣለት፣ ንምድጋፍ ዝተረኽቡ ብዝሒ ኤርትራውያን፣ ዜጋታት እዛ ሃገር ቅድድም ብሽኽለታ ንዘለዎም ፍቕሪ ዘጉልሕ ምንባሩ ግና ማዕከናት ዜና ስፖርት ጠቒሰን።

ንብዝሒ ኤርትራውያን ደገፍቲ ቅድድም ብሽክለታ ብዝምልከት ኣብ ዓምዳ ዘስፈረት መርበብ ሓበሬታ ሳይክሊን ዊክሊ’ውን “ቅድድም ብሽክለታ ሃገራዊ ስፖርት ኤርትራ’ዩ” ክትብል ከምዝገለጸቶ ኣይርሳዕን።

 

ኣብ ኤርትራ ዝልዓለ ተስፋ ዘለዎ ዓውድታት ስፖርት ቅድድም ብሽክለታን ጉያ እግሪን ኮይኑ፣ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ዝነጥፉ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ብብዝሒ ክሃድሙ ኣይርኣየዩን።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0