መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2017 ብዘይ ኤርትራን ሶማልን ይቕጽል ኣሎ

መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2017 ብዘይ ኤርትራን ሶማልን ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: 08 September 2015

national team

ኣብ ሩስያ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2018 ምስ ቦትስዋና ፈላሚ ግጥምት ከተካይድ ተሰሪዑላ ዘሎ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተጻወታ፣ ኣብ ኣስመራ ልምምድ ተካይድ ከምዘላ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብዚ ካብ ጥቅምቲ 5 ኣትሒዙ ዝጅምር ናይ መጻረዩ ግጥማት ዝሳተፋ 142 ሃገራት ኤርትራ ናይ ፈለማ ግጥማ ምስ ቦትስዋና ተሰሪዑ እኳ እንተሎ፣ ምስታፋ ኣጠራጣሪ ምዃኑ ኣቐዲሙ ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከምዘይትሳተፍ መብዛሕትኡ እዋን ቅድሚ ዕጫ ምውዳቑ ዝሕበር እኳ እንተኾነ፣ ሳሕቲ ድማ ዕጫ ድሕሪ ምውዳቑ ብሰንኪ ፊናንስያዊ ጸገም ከምዘይትሳተፍ ከምዝሕበር ይፍለጥ።

 

ብኻልእ ወገን መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2017 ብዘይ ኤርትራን ሶማልን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብዚ 51 ሃገራት ዝሳተፍኦ ዘለዋ ካብ 12 ሰነ 2015 ጀሚሩ ክሳብ 4 መስከረም 2016 ዝካየድ ናይ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ዘይትሳተፈሉ ምኽንያት ብወግዒ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ህድማ ተጻወቲ ስለዘስግኣ ምዃኑ ሓያሎ ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ።

ከምዝፍለጥ ኣብዚ ናይ መጻረዩ ግጥማት፣ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካብን ሃገር ወጻእን ምስ መጋጥምተን ናይ ቀዳማይ እግሪን መልስን ግጥማት ከካይዳ ኣለወን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ እተካይዶ ግጥማት ክወርዳ ካብ ዝኽእል ስዕረት ንላዕሊ ህድማ ተጻወታ እቲ ዝዓበየ ስክፍትኣ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ድሕሪ’ቲ ዘጋጠመ ተደጋጋሚ ህድማ ተጻወቲ ካብ ታሕሳስ 2013 ንደሓር ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ግጥማት ኣካይዳ ኣይትፈልጥን።

ኣብዚ ኣብ ጋቦን ዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2017 ንምስታፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ መጻረዩ ግጥማት፣ ብዘይካ ኤርትራ ሶማል’ውን ኣይክትሳተፍን’ያ።

ሶማል፣ ብሰንኪ ዘለዋ ዘይርጉእ ጸጥታዊ ኩነታት ኣብዚ ግጥም ከምዘይትሳተፍ ኣረጋጊጻ ኣላ።

እዚ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝቕጽል ናይ መጻረዩ ግጥማት፣ ኣብዚ ውድድር ካብ ዝሳተፋ ዘለዋ 51 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ 16 ናብ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ክሓልፋ’የን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ እትሳተፍ ዘላ ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን ምስ ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 1 ብ0 ናይ መጀመርያ ዓወታ ተጎንጺፋ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0