ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር ንግዳዊ ንጥፈታት ዳርጋ ፈጺሙ ተዓጽዩ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም መጽሓፍቲ ዘሕትሙ ዘለው ዜጋታት ብሰንኪ ዋሕዲ ዕዳጋ መጽሓፍቲ ኣብ መሸጣ ይህሰዩን ይኸስሩን ከም ዘለው ተፈሊጡ።
ስሙ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ነዚ ሓበሬታ ናብ ራድዮ ኤረና ዘመሓላለፈ ደራሲ ከም ዝገለጾ ድማ ድሕሪ እቲ ብክንደይ ሃልክን ኮለልን ዘሕተምዎ ዘለው መጽሓፍቶም፣ ብፍላይ ነቲ ካብ ናይ ደገ መሸጣ ክርከብ ዝግብኦ ዝነበረ ዝሓሸ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣታዊ ይረኽብዎ ከምዘየለዉ ገሊጹ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብ ምሕታምን ምዝርጋሕን መጻሕፍቲ ዝያዳ ተረባሕቲ ኮይኖም ዘለዉ ገለ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ውልቀ ሰባት እምበር ደረስቲ ስማዊ ክበሃል ዝኽእል ኣታዊ ጥራይ ይረኽቡ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ቀንዲ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ከኣ ደረስቲ መጽሓፍቶም ብዘይ ፍቓዶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ከም ብሓድሽ ኣብ ከም እስራኤል ዝኣመሰላ ሃገራት ይሕተምን ይዝርጋሕ ብምህላዉ፣ ካልኦት ዘይጸዓሩሉ ምርኽሰብ ይረኽቡ ከም ዘለውን ይሕበር። ብሕጋዊ መንገዲ ከሲሶም ብጽሒቶም ክረኽቡ ወይ ከኣ ግቡእ ፍርዲ ከይረኽቡ ከኣ ከም ማንም ዜጋ መሰል ምንቕስቓስ ዝተሓረሞም ምኻኖም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ጸሓፍቲ ብምረት ዝገልጹዎ ዘለዉ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ።
ኣብ ኤርትራ ልክዕ ከምቲ ካልእ ቁጠባ ንመጽሓፍ ምሕታምን ምዝርጋሕን መንግስቲ ልዑል ቁጽጽርን ቀይድን ከም ዝገብረሉ፣ ብህግደፍ ዝውነን ትካል ኣሕተምቲ ሕድሪ ድማ ካብዚ ዓውዲ ስነ ጥበብ፣ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ዕዳጋ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን፣ ብቐሊሉ ዘይግመት መኽሰብ ከም ዝረኽበሉ ይፍለጥ።
COMMENTS