ኣብ ከተማ ኣስመራ ጽዑቕ ግፋ ይቕጽል

መንግስቲ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣንፈት ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ዘካይዶም ሜላታት፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጽዑቕ ግፋ ከምዘካየደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
    ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ፣ እቲ ብዕለት 1 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ዝተኻየደ ግፋ፣ ኣብ ከባቢታት ቀሓውታ፣ ባርጅማ ከምኡ’ውን  ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝርከበሉ ከባቢታት ከምዝነበረ ኣፍሊጦም።

    ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ቀንዲ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዘሎ እቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ‘መንግስቲ ኤርትራ ብስርዓተ ሕጊ ዘይኮነ፣ ብራዕዲ’ዩ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ’ ዝብል ጸብጻብ ምዃኑ ይፍለጥ።
    እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ዕለት ሓደ ሓምለ ዘካየዶ ግፋ ምኽንያቱ ብዘይተነጸረ ጉዳይ ኣብ ሰራሕተኛታት መዐረይ መካይን ጋራጅ ዝያዳ ኣተኩሮ ጌሩ ምንባሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0