RADIO ERENA – Sunday, 17 August 2025
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ፡ ዳባት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ጎንደር፡ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለም ዋጭ፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ብዝተወልዐ ግጭት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ጉድኣት ከምዘውረደ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ካብቲ መዓስከር ሓቢሮም።
ኣብቲ መዓስከር ተዓቚቦም ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብዓርቢ 15 ነሓሰ፡ መቚነን ረዲኤት ንምቕባል ተኣኪቦምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ‘ዩ እቲ ግጭት ተወሊዑ።
እቶም ዕጡቓት ዝተኮስዎ ጠያይቲ ናብቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ክዓለብ ምስ ጀመረ፡ ተበታቲኖም ከምዝሃደሙ ‘ዮም እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ፡ ነጃት ኢብራሂም ዝተባህለት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 15 እትርከብ ኤርትራዊት ቆልዓ መውጋእቲ ኣጋጢምዎ ኣሎ።
ብሰንኪ‘ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝርከብ መዓስከር ኣለም ዋጭ ዝገዓዙ ልዕሊ 10 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ጸጥታን መነባብሮን ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ክሕበር ምጽንሖም ይፍለጥ።
=================
COMMENTS