ግዙፍ ኩባንያ ቨርዥ፣ ንኽብሪ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፣ ‘ቢኒ’ ዝብል ምልክት ዘለዎ ማልያታት ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ

RADIO ERENA – Tuesday, 02 July 2025
ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣዝዮም ዕዉታትን ጸውለቲን ናይ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ፣ ብስሞማ ማልያ ዘፍሪ ቨርዥ ዝተባህለ ኩባንያ፣ ንኽብሪ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ፣ ቢኒ ዝተሰምያ ሓድሽ ማርክ ማልያታት ናብ ዕዳጋ ዓለም ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።
እቲ ኩባንያ ኣብ ገጻቱ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፣ ቢንያም ግርማይ፣ ክንዮ ኤርትራን ኣፍሪቃን ሓሊፉ፣ ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋ ዝፈጠረን፣ ኩሉ ነገር ዝከኣል ምዃኑ ዘርኣየን ተቐዳዳምይ ብምዃኑ፣ ነቲ ‘ቢኒ’ ዝሰመዮ ማልያታት ንኽብሩ ከፍርዮ ከምዝወሰነ ጠቒሱ።
እዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ኩባንያ፣ ዝተፈላለየ ቅድታትን ዘለዎ ማልያታት ቢኒ ኣፍርዩ፣ ንነፍሲ ወከፉ ማልያ ብ199 ዶላር’ዩ ናብ ዕዳጋ ኣውሪድዎ ዘሎ።
እዚ ‘ሓድጊ ቢኒ ዝብል’ ናይ መወዓውዒ ኣርእስቲ ተዋሂብዎ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ www.vergesport.com ንዕዳጋ ቀሪቡ ዘሎ ማልያታት፣ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂንስትዮን ዘጠቓለለ’ዩ።
ቢንያም ግርማይ፣ ብዘይካ’ቲ ብደረጃ ኤርትራን ኣፍሪቃን ዘመዝገቦ ሓያሎ ዓወታት፣ ኣብ ከም ዙር ፈረንሳን ጂሮ ዲ ኢጣልያን ዝኣመሰለ ዓበይቲ ኣህጉራዊ መድረኻት፣ ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ምዃኑ ይፍለጥ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0