ስዊዘርላንድ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ለውጢ ተታኣታቱ

ስዊዘርላንድ ኣብ ጉዳይ ምሕታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ብዝምልከት ዘተኣታተወቶ ለውጢ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣሉታ ክጸልዎም ከምዝኽእል ሬድዮ ስዊዘርላንድ ኣመልኪታ።

    ስዊዘርላንድ ኣቐዲማ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ብምቅዋም ኣብታ ሃገር ዑቕባ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ብዘይተወሳኺ መርትዖታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ክትህቦም እኳ እንተጸንሐት፣ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ግና፣ ካልእ መርትዖ እንተዘይብሉ ዝኾነ ካብ ውትህድርና ንዝሃደመ ዑቕባ ከምዘይትህብ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

    ካብ 2005 ኣትሒዞም በብእዋኑ ናብ ስዊዘርላንድ  ካብ ዝወሓዙ ኣስታት 17 ሽሕ ኤርትራውያን እቶም 90 ሚእታዊት ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉን ግዱዱን ዕስክርና ብምቅዋም ፖለቲካዊ ዑቕባ  ዝተዋህቦም ምዃኑ እታ ሬድዮ ጠቒሳ።

    እንተኾነ ፓርላማ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ’ዚ ብኤርትራውያን ዝቐረበ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ፣ ካብ ግዱድ ውትህድርና ምህዳም ጥራይ እኹል መርትዖ ክኸውን ይኽእል ዶ ኣይክእልን ዝብል ይዝትየሉ ምህላዉ ይሕበር።

    መንግስቲ ስዊዘርላንድ ነቲ ሕጊ እንተቐይርዎ ድማ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ዓመታዊ ናብታ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ዝመጹ ኤርትራውያን ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል’ዩ ዝብል ነጥብታት ተላዒሉ ይርከብ።
መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣቐዲሙ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ዝህቦ ዝነበረ ናይ ዑቕባ መሕተቲ መሰላት’ውን ደው ከምዘበሎ ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0