ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኤርትራ እትርከበን 12 ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ጌሩ

RADIO ERENA – Thursday, 05 June 2025

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኤርትራ ናይ እትርከበን ዜጋታት 12 ሃገራት፡ ናብ ኣመሪካ ከይጉዓዙ ኣጊዱ።

እቲ 09 ሰነ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝወዕል ናይ ቪዛ እገዳ፡ ምስ ሽበራን ካልእ ‘ንኣመሪካ ስግኣት ‘ዩ’ ዝበሎ ጉዳያትኢሚግሬሽንን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ‘ዩ እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።

ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ካብ ኣመሪካ ብዘይድልየቶም ንዝስጎጉ፡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይጸንሖም ዜጋታተን ምቕባል ብምሕንጋደን፡ እቲ ናይ ቪዛ ገዳ ክግበረለን እንከሎ፤ ከም የመን፡ ሊብያ፡ ሶማልን ሱዳንን ድማ ምስ ሽበራ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ይግለጽ።

ምምሕዳር ትራምፕ እገዳ ቪዛ ኣንቢሩለን ዘሎ 12 ሃገራት፡– ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማል፡ የመን፡ ሊብያ፡ ቻድ፡ ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማርን ሀይቲን ‘የን።

ከም ብሩንዲ፡ ሴራልዮን፡ ቶጎ፡ ኩባ፡ ቬኔዙዌላን ቱርከመኒስታንን ዝኣመሰላ ሸውዓተ ሃገራት ድማ ከፊላዊ እገዳ ቪዛ ተነቢሩለን ኣሎ።

እቲ ናይ ቪዛ እገዳ፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝንገድ ዓበይቲ ውድድራት ስፖርትን ካልእ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ጉዳያትን ንዝሳተፉ ዜጋታት እተን ሃገራት፡ ብፍሉይ ተራእዩ ሕድገት ክግበረሎም ከምዝኽእል ኣብ መግለጺ ምምሕዳር ትራምፕ ሰፊሩ ይርከብ።

============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0