RADIO ERENA – Wednesday, 04 June 2025
ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳ፣ ኤስያን ኣመሪካን ዝመደበረን 32 ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰለት ደቂሰብን ማሕበራት ግብረሰናይን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ መርመራን ቁጽጽርን ክቕጽል ጸዊዐን።
እተን ኣህጉራውያን ትካላትን ማሕበራትን፣ ኣብ ጀኔቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኣባላት ሃገራትን፣ ብ22 ግንቦት ኣብ ዝልኣኽኦ ደብዳቤ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ምእሳር ዜጋታት ንቡር ተርእዮ ምዃኑ ብምትሕስሳብ፣ ውልቃዊ እምነትን ሃይማኖታትን፣ ከምኡ ድማ ሓጻብካ ብናጻ ምግላጽን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መሰላት ደቂሰብ ከምዘይክበር ኣዘኻኺረን።
ዶብ ዝሰገረ ኣእዳው ስርዓት ኤርትራ፣ ኣብ ውጻኢ ሃገራት፣ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ‘ውን ብከቢድ ይጸልዎም ከምዘሎ‘ዩ እቲ ደብዳቤ ኣመልኪቱ።
ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ብዘፍርዲን ሕጋዊ መስርሕ ተቐይዶም ዝርከብ፣ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ሓያሎ ዜጋታት ከምዘለው‘ውን ኣስሚረናሉ።
እተን ኣህጉራውያን ትካላትን ማሕበራትን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ቁጽጽር ክትግበር ዝጽውዓ ዘለዋ፣ ፍሉይ ውኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወይ ስፔሻል ራፖርተር፣ ብዛዕባ ዘካየዶ መጽናዕቲ ን16 ሰነ ጸብጻብ ከቕርብ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን‘ዩ።
ካብ ዝቐውም ክሳብ እዚ እዋን‘ዚ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ፍቓድ ዘይረኸበ ስፔሻል ራፖርተር፣ ዝተዋህቦ ዕማም ኣብ ውርሒ ሓምለ ክዛዝም‘ዩ።
ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበራት ግብረሰናይን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ብዘይምህላዉ፣ ዕማም ‘ቲ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ዝከታተል ስፔሻል ራፖርተር ክናዋሕ ‘የን ዝጠልባ።
==================
COMMENTS