32 ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ደቂሰብ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ መርመራ ክቕጽል ጸዊዐን

RADIO ERENA – Wednesday, 04 June 2025

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳ፣ ኤስያን ኣመሪካን ዝመደበረን 32 ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰለት ደቂሰብን ማሕበራት ግብረሰናይን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ መርመራን ቁጽጽርን ክቕጽል ጸዊዐን።

እተን ኣህጉራውያን ትካላትን ማሕበራትን፣ ኣብ ጀኔቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኣባላት ሃገራትን፣ ብ22 ግንቦት ኣብ ዝልኣኽኦ ደብዳቤ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ምእሳር ዜጋታት ንቡር ተርእዮ ምዃኑ ብምትሕስሳብ፣ ውልቃዊ እምነትን ሃይማኖታትን፣ ከምኡ ድማ ሓጻብካ ብናጻ ምግላጽን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መሰላት ደቂሰብ ከምዘይክበር ኣዘኻኺረን።

ዶብ ዝሰገረ ኣእዳው ስርዓት ኤርትራ፣ ኣብ ውጻኢ ሃገራት፣ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ውን ብከቢድ ይጸልዎም ከምዘሎዩ እቲ ደብዳቤ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ብዘፍርዲን ሕጋዊ መስርሕ ተቐይዶም ዝርከብ፣ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ሓያሎ ዜጋታት ከምዘለውውን ኣስሚረናሉ።

እተን ኣህጉራውያን ትካላትን ማሕበራትን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ቁጽጽር ክትግበር ዝጽውዓ ዘለዋ፣ ፍሉይ ውኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወይ ስፔሻል ራፖርተር፣ ብዛዕባ ዘካየዶ መጽናዕቲ ን16 ሰነ ጸብጻብ ከቕርብ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋንዩ።

ካብ ዝቐውም ክሳብ እዚ እዋንዚ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ፍቓድ ዘይረኸበ ስፔሻል ራፖርተር፣ ዝተዋህቦ ዕማም ኣብ ውርሒ ሓምለ ክዛዝምዩ።

ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበራት ግብረሰናይን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ብዘይምህላዉ፣ ዕማም ቲ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ዝከታተል ስፔሻል ራፖርተር ክናዋሕ የን ዝጠልባ።

==================

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0