RADIO ERENA – Wednesday, 14 May 2025
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ናብ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን እትልእኮ ዘላ ኣጽዋር፡ ኲናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን ክናዋሕ ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽል፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ካብ ቻይና ዝሸመተቶ ዘመናዊ ኣጽዋራት ናብ ሱዳን ተዋፍሮ ከምዘላ ወቒሱ።
ብመሰረት ‘ቲ ጸብጻብ፡ ቻይና፡ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር ተነቢሩላ እኳ እንተሎ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዚ ብምጥሓስ ‘ያ፡ ካብታ ሃገር ዝሸመተቶ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ንዋትን ተተኮስትን ናብ ሱዳን ትልእኽ ዘላ።
ገለ ካብ ቻይና ተሸሚቱ ናብ ሱዳን ዝተላእከ ኣጽዋር፡ GB50A ዝተባህለ ተመራሒ ቦምባታትን 155mmመዳፍዓትን ይርከቦ።
ኣብ ርእሲዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ናብቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፡ ተፈንጃሪ ድሮናት ትልእኽ ከምዘላ ‘ውን ትውቀስ‘ያ።
ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፡ ኣብ ፖርት ሱዳንን ከሰላን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምኡ ድማ ጋብላታት ነዳዲ ዘካየዶ ደብዳባት፡ በዘን ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተላእካሉ ድሮናት ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ሱዳን ይጠቕሱ።
ኤርትራን ግብጽን፡ ነቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ ክድግፋ እንከለዋ፡ ቻድን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ድማ ኣብ ጎኒ ፈጣን ሓይልትታ ከምዘለዋ ይግለጽ።
ኤርትራ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ዝስለፉ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሚሊሻ ምብራቕ ሱዳን ከምዘሰልጠነት ይፍለጥ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=============
COMMENTS