ዴንማርክ፣ ኣብ ዓመተ 2024፣ ን864 ስደተኛታት ዑቕባ ሂባ፣ እቶም 15% ኤርትራውያን ‘ዮም

RADIO ERENA – Monday, 12 May 2025

መንግስቲ ዴንማርክ፣ ብዝሒ ስደተኛታት ናብ ዜሮ ንምውራድ ኣብ ዝግበሮ ዘሎ ድፍኢት፣ ኣብ ዓመተ 2024፣ አቲ ዝወሓደ ዑቕባ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

እታ ኣብ ስካንዲናቭያ እትርከብ ሃገር፣ ኣብ ምሉእ ዓመተ 2024፣ ን864 ስደተኛታት ጥራይ ዑቕባ ክትህብ እንከላ፣ እቶም 130 ካብዚኣቶም ኤርትራውያን ምዃኖም ጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ሓቢሩ።

ዴንማርክ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት፣ ዑቕባ ካብ ዝሃበቶም 864 ስደተኛታት፣ እቶም ዝበዝሑ 309 ሶርያውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ ካብ ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን፣ 130 ካብ ነፍሲ ወከፈን ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዖም።

ኣብዚ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ዴንማርክ ዝወሓደ ብዝሒ ስደተኛታት ዝረኣየትሉ ዓመት፣ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ፣ ጽኑዕ ዕጽዋ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2020 ምዃኑ ዘመልከተ፣ ሚኒስተር ኢምግሬሽን እታ ሃገር፣ ካረ ዲብቫድ በክ፣ ኣብ ዓመተ 2024 ድማ መንግስቲ ብዘተኣታታዊ ፖሊሲ፣ ዝወሓደ ዑቕባ ዝተዋህበሉ ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ኣስሚርሉ።

ኣብ 2019 ናብ ስልጣን ብዝመጸት፣ ቀዳማይቲ ሚኒስተር መት ፍረደሪክሰን ዝምራሕ መንግስቲ ደንማርክ፣ ንዋሕዚ ስደተኛታት ናብታ ሃገር፣ ናብ ዜሮ ከውርዶ ምዃኑ ዩ ዝመባጻዕ።

ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣንጻር ወጻእተኛታት ብፍላይ ድማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝመጹ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝቐንዐ፣ ብየመናውያን ሰልፍታት ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳት፣ ሓያል ጽልዋ ይፈጥር ከምዘሎ ይፍለጥ።

 

ስእሊ፦ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ዴንማርክ፡ መት ፍረደሪክሰን  – ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0