RADIO ERENA – Wednesday, 30 April 2025
ፈረንሳ፣ ንእሱራት ዓመታዊ እተባኽኖ ዘላ ቢልዮናት ዶላራት ንምንካይ፣ ንዝግበረሎም ወጻኢታት ባዕላቶም ክኸፍልዎ፣ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፣ ዠራልድ ዳርማና፣ ብ28 ሚያዝያ፣ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ እማመ ኣቕሪቡ።
ብመሰረት እቲ ሚኒስተር ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲን ልዕሊ 82 ሽሕ እሱራተንን፣ ዓመታዊ ብገምጋም 4 ቢልዮን ኤውሮ ወጻኢታት ይግበረሎም።
ኣህጉራዊ ተዓዛቢ እሱራት፣ ኣብ 2022 ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣብ ፈረንሳ ንሓደ እሱር መዓልታዊ 105 ኤውሮ፣ ዓመታዊ ድማ ክሳብ 32 ሽሕ ኤውሮ ዝግምገም ወጻኢታት ይግበረሉ።
እሱራት ብተዛማዲ፣ ሓርነት ረኺቦም፣ ኣብ ደገ እናወዓሉ፣ ሃለዋቶም መዓልታዊ ናብ ፖሊስ ምስ ዝሕብሩ ወይ ድማ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ፣ ምንቅስቓሳቶም ዝሕብር ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣብ እግሮም ተኣሲርሎም፣ ናብ ናይ ገዛ ማሕዩር ምስ ዝሰጋገሩ፣ ወጻኢታቶም ብዝተዓጻጸፈ ከምዝጎድል‘ዩ ዝምጎተሉ።
ሚኒስተር ዳርማና፣ እሱራት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጕኖም እናሃለዉ፣ ወጻኢታቶም ባዕላቶም ክኸፍልዎ ዝብል እማመ ምቕራቡ፣ ካብ ሰብኣውነት ዝረሓቐ ጨካን ስጉምቲ‘ዩ እናተባህለ ብትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ፈረንሳ ይንቀፍ ኣሎ።
ኣብ ፈረንሳ ካብ ዘለዉ እሱራት፣ እቶም ልዕሊ 40% ቅድሚ ምእሳሮም ስራሕ ዘይነበሮም፣ 8% ካብኣቶም ድማ ግዳም ሓደር ዝነበሩ ምዃኖም ኣህጉራዊ ተዓዛቢ እሱራት የዘካኽር።
እዚ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ዝቐረበ እማመ፣ እሱራት ክንደይ ካብ ሚእቲ ንወጻኢታቶም ባዕላቶም ክሽፍኑ ዝርዝር እኳ እንተዘየቕረበ፣ ንቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ስነ–ኣእምሮኣዊን ኩነታት እቶም እሱራት ኣብ ግምት ዘየእተወ‘ዩ ተባሂሉ ይውቀስ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ ኣብያተ ማእሰርቲ ፈረንሳ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፣ ምስ ምብዛሕ እሱራት፣ ጽበት የጋጥምን፣ ጽሬቱን ዝወሃብ ኣገልግሎታትት እናተዳኸመ ከምዝመጸ‘ዩ ዝንቀፍ።
======================
COMMENTS