RADIO ERENA – Wednesday, 30 April 2025
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ በብእዋኑ እናገፈፈ ቀይድዎም ካብ ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቶም ልዕሊ 200 ኣብዚ ሳልስት‘ዚ ሰጕጉዎም።
እቶም ብ29 ሚያዝያ፣ ብመንገዲ መስመር ቡሬ– ዓሰብ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉጉ ኤርትራውያን፣ ‘ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ዘይብሎም‘ ብዝብል ዝተገገፉ ምዃኖም ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።
እንተኾነ ብዙሓት ካብኣቶም፣ ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡን ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡን ምዃኖም እቶም ኤርትራውያን ኣመልኪቶም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ክሰጉግ እዚ ንሳልስይ እዋኑ‘ዩ።
ኣብ 03 ታሕሳስ 2024፣ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ብመንገድ ቡሬ – ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከምዝተሰጎጉ ኣይርሳዕን።
እቲ መንግስቲ፣ ‘ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ሸርፍን ሓዋላን ከምኡ ድማ ካልእ ንኢትዮጵያ አብ ዘስግእ ንጥፈታትን ይዋስኡ ኣለዉ’ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ብተደጋጋሚ‘ዩ ዘጠንቅቕ።
እንተኾነ፣ እቲ ግፋን ናይ ናይ ምስጓግ ስጉምቲን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘነጻጸረ‘ዩ።
ሓያሎ ካብዞም ዝተገፈፉን ዝተሰጎጉን ኤርትራውያን፣ ኣቐዲሞም ብኵናት ኣብ ዝዓነዋ መዓስከራት ስደተኛታት እታ ሃገር ዝነበሩ ኮይኖም፣ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣፍልጦ ዝተዋህቦም‘ዮም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን፣ ኣብ 2018፣ ዝመስረትዎ ኣብ ጽልኢ ህወሓት ዝተመርኮሰ ስልታዊ ዝምድና፣ ድሕሪ ምዝዛም ናይቲ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022 ዝተኻየደ ኵናት ትግራይ፣ እናዛሕተለ‘ዩ ክመጽእ ተርእዩ።
ኣብዚ እዋን‘ዚ ድማ ክልቲኦም ወገናት፣ ብመንገዲ ዝምውልዎም ዩቱበራትን ካልእ ማሕበራዊ ሜድያታትን ንኵናት ዝቱኽቱኽ ዘመተን ፕሮፖጋንዳታትን ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም ይርከቡ።
====================
COMMENTS