የመን፣ ነፈርቲ ኣመሪካ ብዘካየዳኦ ደብዳብ ልዕሊ 68 ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቐቲሎም

RADIO ERENA – Tuesday, 29 April 2025

ኣመሪካ፣ ኣብ የመን፣ ኣብ ከተማ ሰዓዳ ኣብ ዘካየደቶ ደብዳብ፣ ብውሕዱ 68 ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 47 ድማ ከምዝቖሰሉን፣ ሑቲ ገሊጹ።

ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ፣ ብሰኑይ 28 ሚያዝያ 2025፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፣ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ስደተኛታት ደብዳብ ከምዝዘካየዳ ዝወቐሰ ሑቲ፣ እቲ ማእከል ብኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታትን ቀይሕ መስቀልን ዝእለን ምዃኑን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ሰዓዳ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል፣ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን ተሰዲዶም ዝመጹ ኣማኢት ስደተኛታት ኣለዉ።

ሰዓዳ፣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ዞባ ሰዓዳ እትርከብ ኮይና፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስጋር ስደተኛታት ሃገራት ብብዝሒ ዝተኣኻኸቡላ ከተማያ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ የመን ጽዑቕ ደብዳብ ክካየድ ካብ ዝኣዘዘሉ ኣብዚ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ፣ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ቀቲለን።

እቲ ምምሕዳር፣ ነቲ ብኢራን ከምዝድገፍ ዝገልጾ ሑቲ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ኣመሪካን መሓዙታን ምጥቃዕ ደው ክሳብ ዘብሎ፣ ጽዑቕ ደብዳብ ከዳክደሉ ምዃኑ የጠንቅቕ።

ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ ብወገኑ፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣመሪካ ተካይዶ ዘላ ደብዳብ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ኣመሪካን መሓዙታን ብዝልዓለ ከምዘጥቅዕ የመልክት።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0