መራሕቲ ጂቡቲን ግብጺን ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብምትኳር ተመያይጦ

RADIO ERENA – Thursday, 24 April 2025

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ጂቡቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ብ23 ሚያዝያ ናብ ጂቡቲ ኣብ ዝኣተወሉ፣ መዘንኡ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ምዉቕ ኣቐባብላ ጌርሉ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ቓዛን ብምትኳር ተመያይጦም።

ብፍላይ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሑቲ ናይ የመን ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣትን፣ ምስዚ ክሊ ማይ ተኣሳሲሩ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ዘሎ ደበና ኵናትን ብዝምልከት ምምይጥ ከምዘካየዱ ዩ ተሓቢሩ።

ሑቲ ናይ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ መራኽብ፣ ግብጺ፣ ዓመታዊ ካብ መትረብ ስዌጽ እትረኽቦ ዝነበረት ናይ ታሪፍን ካልእን ኣገልግሎታትን ኣታዊ ብ700 ሚልዮን ዶላር ከምዘንቆልቀለያ ትገልጽ።

ኣብ ርእሲዚ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ምስ ግብጺ ክትቓዶ ዘይክኣለት ኢትዮጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን እትግበሮ ዘላ ዘመተ፣ ንግብጺ ካልእ ዘየደቕስ ኩነታት ጸጥታ ባሕሪዩ።

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ናብ ጂቡቲ ክበጽሕ ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመት ንኻልኣይ እዋኑዩ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ፣ ኣብ ግንቦት 2021፣ ናብ ጂቡቲ ዝበጽሐ ናይ ፈለማ መራሒ ግብጺ ምዃኑ ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙውን ምስ መራሕቲ ኤርትራን ሶማልን ተመሳሳሊ ርክባት ከካይድ እንከሎ፣ ብፍላይ ምስ ኤርትራ፣ ቀይሕ ባሕሪ ዘየዋስነን ሃገራት ኣብ ጸጥታ እቲ ክሊ ማይ ከይሳተፋ ዝብል ስምምዕ ከምዝኸተምሉ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0