RADIO ERENA – Monday, 21 April 2025
ኣብ ጀርመን፣ ቬልበርግ፣ ብ25 መጋቢት ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ወጸ ጠፊኡ ክድለይ ዝጸንሐ፣ ጳውሎስ ዝተባህለ፣ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኤርትራዊ ቆልዓ ሞኡቱ ተረኺቡ።
ነዚ ናይ ኦቲዝም ባህርያት ዝነበሮ ቆልዓ፣ ካብ ዝጠፍኣላ ኣትሒዙ፣ ብደረጃ ሃገር ጽዑቕ ናይ ምድላይ መስርሕ‘ዩ ክካየድ ጸኒሑ።
ፖሊስ ጀርመን፣ ብሰንበት 20 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ቬልቡርግ ኣብ ዝርከብ ማግም ሩባ ላን፣ ሓደ ቆልዓ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ብምጥቃስ፣ ንሰለስተ ቅነ ክድለይ ዝጸንሐ ጳውሎስ ክኸውን ከምዝኽእል ኣንፊቱ።
ድሒሩ ድማ እቲ ሞይቱ ዝተረኽበ ቆልዓ፣ ኤርትራዊ ጳውሎስ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
ምጥፍኡ ሻቕሎት ፈጢሩ ዝጸንሐ ጳውሎስ፡ ብሞቱ ድማ ኣብ ኤርትራውያን ከቢድ ሓዘን ኣስዒቡ ኣሎ።
==================
COMMENTS