RADIO ERENA – Friday, 18 April 2025
- ኣብ 2024፡ ኤርትራውያን ኣብ ርዋንዳ ልዕሊ 93 ሚልዮን ዶላር ኣውፊሮም
- ወፍሪ ኤርትራውያን ኣብ ርዋንዳ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ይስራዕ
ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ርዋንዳ ናይ ልዕሊ 93.4 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዝውንኑ ጸብጻብ ቦርድ ልምዓት ‘ታ ሃገር ሓቢሩ።
ቦርድ ልምዓት ርዋንዳ፡ ኣብ ናይ 2024 ጸብጻቡ፡ ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ዘለዎም ወፍሪ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ናይ ወጻኢ ወፍርታት ከምዝስራዕ ኣስሚርሉ።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይምደብ።
ኣብ 2023፡ ኣስታት 2.4 ቢልዮን ዶላር ዝነበረ ናይ ወጻኢ ወፍርታት ኣብ ርዋንዳ፡ ኣብ 2024 ናብ ልዕሊ 3.2 ቢልዮን ዶላር ከምዝዓበየ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ናይ ኤርትራውያን ዝርከቦ ብምድር 612 ናይ ወፍሪ ፕሮጀክታት ከምዝተመዝገበ ኣፍሊጡ።
ቻይና፡ ብ460 ሚልዮን ዶላር፡ ህንዲ ድማ ብ445 ሚልዮን ዶላር፡ ብጠቕላላ ናይ ብኣስታት 28%፡ ቀዳሞት ኣውፈርቲ ኣብ ርዋንዳ ክኾና እንከለዋ፡ ናይጀርያ ብ313 ሚልዮን ዶላር፡ ብሓፈሻ ሳልሰይቲ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ቀዳመይቲ ቦታ ትሕዝ።
ወፍሪ ኤርትራውያን ኣብ ርዋንዳ፡ ብ93.5 ሚልዮን ዶላር፡ ሻሙናይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፡ ናይ ኢትዮጵያውያን ድማ ብ57.6 ሚልዮን ዶላር ታሽዓይ ይስራዕ።
ናይ ወጻኢ ወፍሪ ርዋንዳ ኣብ 2024 ካብ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመተ 2023፡ ብ32.2% ምዕባዩን፡ ወፍሪ ናይጀርያውያን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን፡ ብቅደም ተኸተል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ምስሩዑን፡ ኣውፈርቲ ብሓፈሻ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ጸጥታ፡ ርግኣትን ናይ ወፍሪ ዕድላት ዘተባብዕ ፖሊስ መንግስቲን ርዋንዳ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዝርከብ ዘመልክት ምዃኑ፡ ዣን ክሉድ ሩባሁካ ንዝተባህለ ክኢላ ቁጠባ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ዘ ኒው ታይምስ ተንቲኑ።
ኣብ ስደት ዝነብሩ ሰብ ርእሰ ማል ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ብዘሎ ንወፍሪ ዘየተባብዕ ኩነታት ተደፋፊኦም፡ ኣብ ርዋንዳን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ወፍርታቶም የፍስሱ ከምዘለዉ እቲ ትንታነ ብተወሳኺ የረድእ።
ኤርትራውያን ኣብ ርዋንዳ ዘካይድዎ ዘለዉ ወፍርታት፡ ኣብ ማእከላይን ንኡስን ናይ ወፍሪ ፕሮጀክታት ዘተኮረ ኮይኑ፡ ከም ትካላት ትምህርቲ፡ ሱፐርማርኬት፡ ሆቴላት፡ መሸጢን መከፋፈሊን ናይ ህንጻ ኣቚሕትን ንኣሽቱ ዱኳናትን የጠቓልል።
ናይጀርያውያን ኣብ ኣገልግሎታት ቴሌኮምን ባንክን ኢትዮጵያውያን ድማ ምስ መንገዲ ኣየር ሃገሮም ብዝተኣሳሰር ኣብ ትካላት ወኪል ጉዕዞ፡ ቱሪዝምን ኣብያተ መግቢን የተኩሩ።
ኣብ ርዋንዳ፡ ብወፍሪ ቅድሚት ዝስራዓ ቻይናን ህንዲን ብወገነን፡ ንህንጻ ዓበይቲ ናይ ትሕተ ቅርጺን መሰረተ ልምዓትት፡ ዕደናን ጸዓትን ዝኣመሰለ ግዙፍ ናይ ወፍሪ ፕሮጀክታት ብሒተን ይርከባ።
==============
COMMENTS