RADIO ERENA – Friday, 11 April 2025
መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ህሉው ዞባዊ ኩነታትን ሰብኣዊ መሰላትን ንምዝርራብ፡ ንልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ኣስመራ ዓዲሙ።
እቲ መንግስቲ ብዝገበረሎም ዕድመ መሰረት፡ ዳይረክተር ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ሪታ ላራኒናን፡ ሓላፊ ክፍሊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይቲ ሕብረት፡ ጆናስ ጆንሰንን፡ ብ3ን 4ን ሚያዝያ ናብ ኤርትራ ከምዝበጽሑ፡ ቤት ጽሕፈት ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሎሚ ዓርቢ 11 ሚያዝያ ካብ ኣስመራ ኣፍሊጡ።
እቶም ላዕለዎት ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሑለን ክልተ መዓልታት፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ዜናን ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራን ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ብምርኻብ፡ ኣብ ህሉው ዞባዊ ኩነታትን ጉዳያት ቁጠባን ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተዘራረቡ ‘ቲ ሕብረት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ዕላማ ቲ ብዕድመ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኻየደ ዑደት ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ኣስመራ፡ ዝምድና ኣብ ምምሕያሽ ዘተኮረ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።
ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ናይ ኣስመራ ዑደቱ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ርክባት ብምክያድ ‘ውን ተዘራሪቡ።
ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ዝሓለፈ አስታት 20 ዓመታት ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኸስስ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነታ ሃገር ዝስልዖ ዝነበረ ልምዓታዊ ሓገዛት ደው ኣቢሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።
=================
COMMENTS