RADIO ERENA – Thursday, 10 April 2025
ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ከተማ ካርቱም ካብ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ምሉእ ብምሉእ ሓራ ድሕሪ ምዃና፣ ድሕሪ ፈላሚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዑደቱ ናብ ኤርትር ኣትዩ።
እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ብ28 መጋቢት፣ ምስ ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ብምርኻብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ድሕሪ ምዝታዩ‘ዩ፣ ድሕሪ ክልተ ቅነ ናብ ኣስመራ ኣመሪሑ።
ብሓሙስ 10 ሚያዝያ ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ክመያየጥ ‘ዩ።
ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን፣ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ክድግፋ እንከለዋ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ብኣንጻሩ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕም ሰሪዕ ወይ ፈጣን ሓይልታት ከምእትድግፍ ይግለጽ።
ኤርትራ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ካብ ዝርከቡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ጉጅለታት ዝተዋጽኡ ኣባላት ሰራዊትን ሚሊሻታትን ብምስልጣን እባ ጎኒ ጀነራል ኣልቡርሃን ከተሰልፍ ጸኒሓ‘ያ።
ስእሊ፤- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
================
COMMENTS