ኤርትራ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ተታሒዞም ዝጸንሑ 18 ዜጋታት ኣዘርባይዣን ናብ ዓዶም ተፋንዮም

RADIO ERENA – Monday, 24 March 2025

መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ 07 ሕዳር 2024 ኣትሒዙ፡ ንልዕሊ ኣርባተ ኣዋርሕ ቀይድዎም ዝጸንሐ ዜጋታት ኣዘርባይዣን ዝኾኑ 18 ሰራሕተኛታት መራኽብ ናብ ዓዶም ኣፋንዩ።

እቶም ምስ ሰለስተ መራኽብ ዝተታሕዙ 18 ዜጋታት ኣዘርባይዣን ናብ ዓዶም ከምዝኣተዉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ታ ሃገር፡ ሎሚ ሰኑይ 24 መጋቢት፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ቱርኪ፡ ኣብ ምፍታሕ እቶም ዜጋታት ኣዘርባይዣን ንዝገበሮ ጻዕሪ ኣመስጊኑ።

እንተኾነ ኩነታት ናይተን ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽብን ጽዒነንኦ ዝነበራ ንብረት ኣይተሓበረን።

እተን መራኽብ ናብ ኣቡ ዳቢ እናምርሓ እንከለዋ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘጋጠመን ሓደገኛ ኩነታት ኣየር፡ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ምስ ኣተዋ ከምዝተታሕዛዩ መንግስቲ ኣዘርባይዣን ገሊጹ።

ይኹንምበር እተን መራኽብ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ፡ ድሮናት ዝርከቦ ወትሃደራዊ ንዋት ጽዒነን ናብ ወደብ ጂቡቲ እናምርሓ እንከለዋ፡ ብጌጋ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ከምዝኣተዋውን ይጥቀስዩ።

መንግስቲ ኣዘርባይዣን ነተን መራኽብን ምስአን ዝነበሩ 18 ዜጋታቱን ብዝቐልጠፈ ንምፍትሖም ዝገበሮ ጻዕኪ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፡ ብሞንጎኝነት ሶማልን ሩስያን ውን ፈተነታት ከምዘካየደ ይሕብር።

ምስተን መራኽብ 21 ሰራሕተኛታት ከምዝመበሩ እኳ እንተተገልጸ፡ ሃለዋት ናይቶም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝኾኑ ሰለስተ ሰባት ኣይተፈልጠን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0