RADIO ERENA – Monday, 24 March 2025
ቀይሕ ባሕሪ ዘየዋስንን ሃገራት፣ ኣብ ጸጥታ እቲ ባሕሪ ከይሳተፋ፣ ኤርትራን ግብጺን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ማዕከናት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።
እዘን ሃገራት ናብዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኣብዚ ቀዳመ–ሰንበት፣ ናብ ካይሮ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ፣ ሚኒስተር ባድር ዓብደል ዓጢ ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ‘ዩ።
ሚኒስተር ዑስማን፣ ኣብ ናይ ግብጺ ዑደቱ፣ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝሓዘ ደብዳቤ‘ውን ንፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብጺሑ‘ዩ።
ቀይሕ ባሕሪ ዘየዋስነን ሃገራት ኣብ ጸጥታ እቲ ክሊ ማይ ክዋስኣ ካብ ዝደልያ ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ‘ያ።
እቲ ናይ ኤርትራን ግብጺን ስምምዕ‘ውን ንኢትዮጵያ ካብቲ መዲባቶ ዘላ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምጽጋዕ ጥሙሕ ንምግታእ ዝተበጽሐ ምዃኑ ‘ዩ ዝትንተን።
ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ፣ ኣፍደግ ባሕሪ ንምውናን ብእተካይዶ ዘላ ዘመተ ፈልማ ምስ ሶማል ኣብዚ እዋን‘ዚ ድማ ምስ ኤርትራ ናብ ልዑል ምትፍናን ሸሚሙዋ ይርከብ።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ግብጺ ብወገና፣ እታ ንነዊሕ እዋን ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል እትስሓሓባ ኢትዮጵያ፣ ናብ ቀይሕ ብሕሪ ገጻ ክትጽጋዕ ከምዘይትደልያ ይፍለጥ።
===================
COMMENTS