ቀይሕ ባሕሪ ዘየዋስነን ሃገራት፣ ኣብ ጸጥታ እቲ ባሕሪ ከይሳተፋ ኤርትራን ግብጽን ተሰማሚዐን

RADIO ERENA – Monday, 24 March 2025

ቀይሕ ባሕሪ ዘየዋስንን ሃገራት፣ ኣብ ጸጥታ እቲ ባሕሪ ከይሳተፋ፣ ኤርትራን ግብጺን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ማዕከናት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።

እዘን ሃገራት ናብዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኣብዚ ቀዳመሰንበት፣ ናብ ካይሮ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ፣ ሚኒስተር ባድር ዓብደል ዓጢ ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብዩ።

ሚኒስተር ዑስማን፣ ኣብ ናይ ግብጺ ዑደቱ፣ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝሓዘ ደብዳቤውን ንፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብጺሑዩ።

ቀይሕ ባሕሪ ዘየዋስነን ሃገራት ኣብ ጸጥታ እቲ ክሊ ማይ ክዋስኣ ካብ ዝደልያ ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያያ።

እቲ ናይ ኤርትራን ግብጺን ስምምዕውን ንኢትዮጵያ ካብቲ መዲባቶ ዘላ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምጽጋዕ ጥሙሕ ንምግታእ ዝተበጽሐ ምዃኑ ዩ ዝትንተን።

ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ፣ ኣፍደግ ባሕሪ ንምውናን ብእተካይዶ ዘላ ዘመተ ፈልማ ምስ ሶማል ኣብዚ እዋንዚ ድማ ምስ ኤርትራ ናብ ልዑል ምትፍናን ሸሚሙዋ ይርከብ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ግብጺ ብወገና፣ እታ ንነዊሕ እዋን ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል እትስሓሓባ ኢትዮጵያ፣ ናብ ቀይሕ ብሕሪ ገጻ ክትጽጋዕ ከምዘይትደልያ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0