RADIO ERENA – Monday, 03 February 2025
መንግስቲ ጂቡቲ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቱ ናይ ድሮን ደብዳብ ከምዘካየደ ሓቢሩ።
እቲ መንግስቲ፣ ብ02 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ በቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሸሞንተ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።
እቶም ዕጡቓት፣ ኣንጻር እቲ ብሶማሊ ዒሳ ዝተዓብለለዩ ዝብልዎ መንግስቲ ዝቓወሙ ኮይኖም፣ ብ‘ፍሩድ‘ ዝፍለጡ፣ ተወላዶ ብሄረ ዓፈር ‘ዮም።
‘ፍሩድ‘፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ንዝርከቡ ብሄረ ዓፋር ብምጥርናፍ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ‘ሃገር ዓፈር‘ ንምፍጣር ዝተበገሰ ዕጡቕ ሓይሊ እኳ እንተነበረ፣ ድሒሩ ኣብ ክልተ ተገሚዑ፣ እቲ ፖለቲካዊ ወገኑ ምስ መንግስቲ ጂቡቲ ናብ ስምምዕ ክበጽሕ እንከሎ፣ እቲ ወትሃደራዊ ክንፉ ግና ክሳብ እዚ እዋን‘ዚ ቃልሱ ኣብ ምቕጻል ይርከብ።
ድሕሪ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዓሰብ ዘጠቓለለ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ናጻ ሃገር ዓፈር ንምምስራት ከምዝንቀሳቐስ ዝጠቕስ ፍሩድ ብወግዒ ክድግፎ ተራእዩ።
ኣብዚ እዋን‘ዚ‘ውን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንዕጡቓት ‘ፍሩድ‘ ይድግፍ ከምዘሎ ይጥቐስ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ‘ቲ መንግስቲ ጂቡቲ ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘዋስን ከባቢ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ‘ፍሩድ‘ደብዳብ ድሮን ከምዘካየደ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ የለን።
ስእሊ፦ ናይ ጂቡቲ ድሮን ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
================
COMMENTS