RADIO ERENA – Thursday, 30 January 2025
ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፈጣን ሓይልታት ወይ ዳዕም ሰርዕ ዝጸንሐ ሓያሎ ከባቢትታ ከተማ ካርቱም ከምዝተቖጻጸረ ገሊጹ።
እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዋና መአዘዚ ማእከል ሰራዊት ሱዳን ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምሓዙ፣ ኣብዚ ሳልስቲ‘ዚ ድማ ንከባቢታት ባሕሪ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸሩ ኣፍሊጡ።
ንመግለጺ ሰራዊት ሱዳን ዝነጸገ ዳዕም ሰሪዕ፣ እቲ ከባቢታት ገና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሱዳን ስዕረት ዝገጥሞ ዘሎ ፈጣን ሓይልታት፣ ናብ ከባቢ ዳርፉር ይተኣኻኸብ ብምህላዉ፣ ኣብቲ ዞባ ዝዓበየት ምዃና ንእትግለጽ ከተማ ኣል ፋሺር ከይሕዝ፣ ብወገን ሰራዊት መንግስቲ ስግኣት ኣሎ።
ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ካብ ስትራቴጅያዊት ከተማ ወዲ ማዳኒ ተደፊኡ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ሞራላዊ ውድቀት ኣስዒብሉ ከምዘሎ ይግለጽ።
ካብ ካሜራታት ተኸዊሉ ዘሎ መራሕቲ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፣ ብድምጺ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ሓይልታቱ ካብ ገለ ገለ ከባቢታት ይድፍኡ ከምዘለዉ እኳ እንተኣመነ፣ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክሳብ 25 ዓመታትን ልዕሊኡን ክቕጽል ከምዝኽእል ጠቒሱ።
እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ብ’ጃልሓ’ ዝፍለጥ ራሕማቱላህ ኣል ማህዲ፣ ምስ ሓዉ ከምዝተቐትለ መርበባት ዜና ሱዳን ሓቢረን።
እቲ ኣዛዚ፣ ኵናት ኣብ ዘይነበረሉ ከባቢ ከምዝተቐትለ ዝሓበራ እተን መርበባት፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ዝተወልዐ ግጭት ጠንቂ ሞቱ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚተን።
ዳዕም ሰሪዕ ብወገኑ፣ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚኡ፣ ብደብዳብ ድሮን ሰራዊት መንግስቲ ከምዝተቐትለ ሓቢሩ።
================
COMMENTS