RADIO ERENA – Thursday, 23 January 2025
ውህሉል ዕዳ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፤ ብክልተ ትሪልዮን ብር ከምዝዛየደ ሚኒስትሪ ገንዘብን ፋይናንስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት፡ 1.9 ትሪልዮን ብር ዝነበረ ናይ ውሽጢ ሃገርን ናይ ወጻኢን ውህሉል ዕዳ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናብ ኣስታት 3.9 ትሪልዮን ብር ከምዝዓረገ‘ዩ ኣረጋጊጹ።
እቲ ዕዳ ብልዑል ናህሪ ክዓርግ ዝኸኣለ፡ ብሰንኪ እቲ ብናህሪ እናተሓንበበ ዝውስኽ ዘሎ መጠን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ፊስካላዊ ዓመት ካብ ዝተዋህለለ 545 ሚልዮን ዶላር ዕዳ፡ እቲ ልዕሊ 133 ሚልዮን ዶላር ብሰንኪ ናህሪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝተወሰኸ ምዃኑ፡ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ገንዘብን ፋይናንስን ኢትዮጵያ ብኣብነት ኣረዲኡ።
ውህሉል ዕዳ ኢትዮጵያ ምስ ሓፈሻዊ ጃምላዊ እቶታ ክነጻጸር እንከሎ፡ 33.9% ከምዝሽፍን ዝጠቐሰ እቲ ጸብሳብ፡ እቲ 19.9% ናይ ውሽጢ ሃገር፡ እቲ 13.9% ድማ ካብ ልቃሕ ካብ ወጻኢ ሃገራት ‘ዩ።
ብሰንኪ ኲናት ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝተሸመመት ኢትዮጵያ፡ እተዋህልሎ ዘላ ልቃሕ ዓመታዊ ብልዕሊ 4% ይውስኽ ከምዘሎ‘ዩ ዝግለጽ።
ብጉጅለ ፓሪስ ዝፍለጣ ኣለቃሕቲ ሃገራት፡ ክሳብ‘ዚ ዝሓለፈ ፊስካላዊ ዓመት፡ ልዕሊ 950 ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ኣለቂሐናኣ።
ኢትዮጵያ፡ በብእዋኑ እትልቅሖ ዘላ ቢልዮና ዶላራት፡ ኣብ እዋኑ ክትመልሶ ብዘይምኽኣላ፡ ዓመታዊ ዝጠራቐም ሚልዮናት ዶላራ ወለድን ዝንህር ዘሎ መጠን ሸርፊን፡ ነቲ ውህሉል ዕዳ ብዝተዓጻጸፈ የዛይዶ ከምዘሎ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።
ሓፈሻዊ ውህሉል ዕዳ ኢትዮጵያ ክሳብ ሰነ 2024 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣስታት 68 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ጸብጻባት ቁጠባ የመልክቱ።
እቲ ኣስታት 29 ቢልዮን ዶላር ካብዚ፡ ኢትዮጵያ ካብ ወጻኢ ሃገራትን ኣህጉራውያን ፊናንስያውያን ትካላትን ዝተለቀሓቶ‘ዩ።
=====================
COMMENTS