ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ናብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ክበጽሕ’ዩ

RADIO ERENA – Thursday, 12 December 2024

ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ናይ ካልኣይ እግሪ ዑደቱ ንምክያድ፣ ናብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ክበጽሕ ምዃኑ ቤት ጽሕፈቱ፣ ሻ ዘሊዘ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ማክሮን፣ ዝመጽእ ሰሙን፣ ካብ 20 ክሳብ 22 ታሕሳስ፣ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ጂቡቲን ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ መራሕቲ ክልቲ ክልቲኤን ሃገራት ብምርኻብ፣ ኣብ ወትሃደራዊ፣ ጸጥታውን ልምዓታዊን ምትሕግጋዝ ብምትኳር ከምዝመያየጥ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ መጋቢት 2019 ናብዘን ሃገራት ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ኣብ ምብርባር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን ምሕዳስ ሓይሊ ኣየርን ዘተኮረ፣ ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ወትሃደራዊ ውዕላት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምኽታሙ ይዝከር።

እንተኾነ፣ ኣብ ሕዳር 2020፣ ኵናት ትግራይ ብምውልዑን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ክሲታት ብምብዝሑን፣ ፈረንሳ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸተመቶ ውትሃደራዊ ውዕላት ድው ከምዘበለቶ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ምስ ናጽነት ኤርትራ ዝተበታተነ ሓይሊ ባሕራ ዳግም ንምቛም፣ ኣባላት ሕያሊ ባሕሪ ኣብ ምስልጣንን ናውቲ ኣብ ምሽማትንያ ተጸሚዳ ትርከብ።

ሓንቲ ካብተን ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከበራብራ ተስፋ ዝተነብረለን ሃገራት ድማ ፈረንሳ ያ።

ፈረንሳ ብዘይካዚ፣ ካብ 1971 ኣትሒዙ ምስ ጂቡቲ ዝነበራ ወትሃደራዊ ውዕል፣ ኣብዚ ዓመትዚ ዳግም ድሕሪ ምሕዳሳ፣ ናብታ እብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር፣ ዘመናውንን ተወሳኺን ኣጽዋር ኣብ ምውፋር ትርከብ።

ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዝነበራ ወትሃደራዊ ደጀናት እናሰኣነቶ እትመጽእ ዘላ ፈረንሳ፣ ኣብዚ እዋንዚ ጠመትኣ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝልዓለ ኣተኩሮ ከምዘለዋ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0